ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ነድ ፕራይስ ንምጅማር ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ክልል ትግራይን ተኽእሎታት እገዳታት ምልዓልን መብርሂ ሂቡ


ወሃብ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ነድ ፕራይስ፡ ንናይ ቴለፎን ዝርርብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከንን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ተሓቲቱ መብርሂ ኣብ ዝሃበሉ፡ “ሰራዊት ኤርትራ ክወጽእ ምጅማሩ ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላም ኣብ ምስፋን፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ምብጻሕን መሬታዊ ሓድነት ኢትዮጵያ ኣብ ምውሓስ ዓቢ ዝላ’ዩ፡” ክብል ገሊጹ። እቲ ወሃብ-ቃል ወሲኹ፡ ብመሰረት ስምምዓት ፕሪቶሪያን ናይሮቢን፡ ናይ ደገ ሓይልታት ካብ ክልል ትግራይ ንኽወጽኡ መንግስቶም ተደጋጋሚ ጻውዒት ከቕርብ ምጽናሑ ብምጥቃስ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝፈረሞ ስምምዕ መሰረት ናጻ ኣካላት ናብ ክልል ትግራይ ንምእታው ከፍቅድ ጸዊዑ።

ነድ ፕራይስ ወሲኹ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ብሰራዊት ፈደራልን ሰራዊት ኤርትራን ከበድቲ ሰብኣዊ ጥሕሰታት ስለ ዘተፈጸመ፡ ክልተ መንግስታት ንበደልቲ ዝግበኦም መቕጻዕቲ ንንምሃብ ክሰርሑ ኣተሓሳሲቡ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣንቶኒ ብሊከንን ኣብ ናይ ቴለፎን ዝርርቦም ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዘሎ ተደጋጋሚ ጎንጺ ዝዓረፍሉ መገዲ ክስራሕ’ውን ተዘራሪቦም’ዮም።

ገለ ሰበ-ስልጣን ኤርትራ ምስ ኲናት ትግራይ ተተሓሒዙ እገዳ ስለ ዝተነብረሎም፡ ምናልባት ሕጂ ምስ ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራ እቲ እገዳ ናይ ምልዓል ዘለዎ ተኽእሎ እንተሎ’ውን ነድ ፕራይስ ብጋዜጠኛታት ተሓቲቱ ነይሩ። ፕራይስ ኣብ መልሱ፡ ዋላ’ኳ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ልሙጽ ዝምድና ኣይሃሉ’ምበር፡ “ኣብ ባይታ ዘሎ ምዕባለ ተራእዩ እቲ እገዳ ዘይዘልቀሉ ወይ ድማ ዘይለዓለለኡ ምኽንያት ኣይረኣየንን” ክብል መሊሱ። ገለ ካብቲ እገዳ ካብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ዝወረደ ከም ምዃኑ መጠን ግን እቲ ምልዓል’ውን ብተመሳሳሊ መሳልል ካብ ላዕሊ ክመጽእ ከም ዘድሊ ድማ እቲ ወሃብ-ቃል ወሲኹ ሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG