ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ሰራዊት ኤርትራ ካብ ክልል ትግራይ ክወጽኡ ጀሚሮም” መሰኻኽር ዓይኒ


“ሰራዊት ኤርትራ ካብ ክልል ትግራይ ክወጽኡ ጀሚሮም” መሰኻኽር ዓይኒ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:29 0:00

“ሰራዊት ኤርትራ ካብ ክልል ትግራይ ክወጽኡ ጀሚሮም” መሰኻኽር ዓይኒ

ሰራዊት ኤርትራ ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ክልል ትግራይ ምውጻእ ጀሚሮም። መሰኻኽር ዓይኒ ካብቲ ቦታ ንድምጺ ኣመሪካ ከም ዝሓበሩዎ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ዝጸንሑ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትማሊ ሓሙስ ጀሚሮም ካብ ከተማታት ዓድዋ፡ ሽረ እንዳ ስላሴን ኣኽሱምን ብመካይን ተጻዒኖም ክወጽኡ ምርኣዮም ንድምጺ ኣመሪካ ካብቲ ቦታ ገሊጾም ኣለዉ። ሓያሎ ነባሮ እዘን ዝተጠቕሳ ከተማታት’ውን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ንምውጻእ ሰራዊት ኤርትራ ዘመልክት ስእልታት ኣካፊሎም ኣለዉ።

እቶም ሰራዊት ኣብ ምውጻኦም ባንዴራ ኤርትራ ሰቒሎም ክኸዱ ምርኣዮም መሰኻኽር ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።

ህላወ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ክልል ትግራይ ካብቲ ብዙሕ ዘዛርብ ኣርእስቲ ኰይኑ ጸኒሑ’ዩ። ብዛዕባ ምውጻእ ሓይልታት ኤርትራ ካብ ክልል ትግራይ ኣመልኪቱ ዛጊት ብዝመልከቶም ኣካላት ወግዓዊ መግለጺ የሎን። ስለ ዝዀነ ድማ እቲ ሰራዊት ብምሉኡ ዲዩ ወጺኡ ወይስ ገለ ክፋሉ ንምፍላጥ ኣይተኻእለን። እንተዀነ ኣብተን ሰራዊት ኤርትራ ዝሓልፉለን ዝነበሩ ዓበይቲ ከተማታት፡ ንምውጻኦም፡ ሰራዊት ፈደራል ነቲ ጽርግያ ዓጽዩ ምንባሩ እቲ ዝበጽሓና ዜና የመልክት።

XS
SM
MD
LG