ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ሰራዊት ኤርትራ ካብ ዓበይቲ ከተማታት ትግራይ ይስሕብ ኣሎ” ሮይተርስ


ከተማ ኣክሱም - ፋይል
ከተማ ኣክሱም - ፋይል

ሰራዊት ኤርትራ ካብ ዓበይቲ ከተማታት ኣኽሱምን ሽረን ከም ዝሰሓቡ፡ ንሰለስተ መሰኻኽር ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ጸብጺቡ። ከም ሓበሬታ እቶም መሰኻኽር፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ዝሓለፉ 48 ሰዓታት ብዓበይቲ መካይን፡ ንብረቶም ጠርፍኒፎም’ዮም ካብቲ ቦታ ንኤርትራ ገጾም ክግዕዙ ተራእዮም።

ካብተን ዓበይቲ ከተማታት ድሕሪ ምስሓቦም ዓሪዶምሉ ዘለዉ ስፍራታት ንምርግጋጽ ከም ዘይከኣለ ሮይተርስ ኣመልኪቱ ኣሎ። እቶም ሰራዊት ጠቕሊሎም ካብ ክልል ትግራይ ብዛዕባ ምውጻኦምን ዘይምውጻኦምን’ውን እቲ ኣገልግሎት ዜና ጭቡጥ ሓበሬታ ከም ዘይብሉ ጠቒሱ።

ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ብሮይተርስ ተሓቲቱ ብዛዕባ ምስሓብ እቶም ሰራዊት ኣርጢቡ ክዛረብ ወይ ድማ ኣሉታዊ ምላሽ ክህብ ከም ዘይከኣለ እቲ ዜና ይጠቅስ። ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኰነ ወሃብ-ቃል ህወሓት ግብረ-መልሲ ንምስማዕ ዝገበሮ ፈተነ ኣይሰለጦን።

ምስሓብ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ክልል ትግራይ ነዊሕ ከዛርብ ምጽናሑ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ እዚ ሓድሽ ምዕባለ፡ ምስቲ ኣብ ትግራይ፡ ኣብዚ ሳልስቲ ዝርአ ዘሎ ፍጡን ገስጋስ ተኣሳሲሩ ዝመጽእ ዘሎ’ዩ።

XS
SM
MD
LG