ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚ/ጉ/ወ ኣመሪካ ንምውጻእ ሰራዊት ኤርትራ 'ዓብይ ገስጋስ'ዩ' ክብሉ ገሊጾም


ፋይል
ፋይል

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊከን ኣብ ክልል ትግራይ ዝጸንሐ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ቀንዲ ከተማታት ክወጽእ ምጅማሩ፡ “እቲ ተበግሶ ኣብ መስርሕ ሰላም ኢትዮጵያ ዓቢ ገስጋስ’ዩ፡” ክብሉ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዘካየድዎ ናይ ቴለፎን ዝርርብ ገሊጾም።

ንርክብ ክልቲኦም ሰብ-መዚ ዝሓበረ ጋዜጣዊ መግለጺ ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ነቲ ዘሎ ምዕባለታት ድሕሪ ምንኣድ፡ ኣብቲ ጎንጺ ዝተኻየደሉ ቦታታት’ውን ናጻ ኣካላት ከይዶም ክዕዘቡ ኣተሓሳሲቡ።

ክልተኦም መራሕቲ ኣብ ኦሮሚያ ዘሎ ዘይምርግጋእ ዝዓርፈሉ መገዲ ምጥቃሶም’ውን ኣብቲ መግለጺ ተመልኪቱ ኣሎ።

ካብ ዓርቢ ኣትሒዞም ሰራዊት ኤርትራ ካብተን ከተማታት ሽረ፡ ኣኽሱምን ዓድዋን፡ ብዓበይቲ መካይን ተጻዒኖም ክወጽኡ መሰኻኽር ዓይኒ ካብቲ ቦታ ሓቢሮም’ዮም። ወታሃደራት ኤርትራ፡ ብዓበይቲ መካይንን ኣውቶቡሳትን ተጻዒኖም ካብ ከተማታት ክልል ትግራይ ክወጽኡን ናብ ኣስመራ’ውን ክኣትዉን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ምስ መሰነይታ ምስልታት ክዝርጋሕ ቀንዩ’ዩ።

እንተዀነ፡ እቶም ሰራዊት ጠቕሊሎም ዲዮም ወጺኦም ወይስ ገለ ኣባላት ኣብ ክልል ትግራይ ኣለዉ ንዝብል ብናጻ ኣካላት ምርግጋጽ ኣይተኻእለን።

ኣብ ዓድዋን ሽረን ዝቕመጡ ነበርቲ፡ ንኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ከም ዝሓበሩዎ ግን ውሑዳት ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ ብቐዳምን ሰንበትን ኣብ ክልተኡ ከተማታት ከም ዝርኣዩ ሓቢሮም። ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ግን ነቲ ዝተባህለ ብናጻ ምንጪ ከረጋግጾ ከም ዘይከኣለ ኣመልኪቱ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG