ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተቓውሞ እገዳ ኮቪድ19 ካናዳ ኣብ ንግዲ መካይን ኣመሪካ ጽልዋ የሕድር


ካብ ካናዳ ናብ ኣመሪካ ብወገን ዲትርዮት ሚሽጋን ዘስግር ዶብ ብሰልፈኛታት ብምዕጻው ፋብሪካ መኪና ፎርድ ትማሊ ረቡዕ ክኽፈት ከምዘይካኣለ ተፈሊጡ።

እቶም ሰልፈኛታት፣ መንግስቲ ካናዳ ብሰንኪ ኮቪድ 19 ዘንበሮ እገዳ ንከልዕል ይሓቱ። እቲ ናይ ተቃወምቲ ሰልፊ፣ ንስግር ስራሕ ንግዲ መካይን ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ጽልዋ ከምንብር ከምዝጀመረ ይግለጽ ኣሎ።

ካብ ኣመሪካ ናብ ካናዳ ዘእቱ ድልድል ተዓጽዩ እንተነበረ'ዃ፣ ካብ ካናዳ ናብ ኣመሪካ ዘእቱ መገዲ ግና ሎሚ’ውን ክፉት ኣሎ።

እቲ ሰልፊ ናይ ተቃወምቲ፣ ንኩባንያ ጀነራል ሞተርስ’ውን ለኪምዎ እዩ።

XS
SM
MD
LG