ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ካናዳ ንክታበት ቫይረስ ኮሮና ዝቓወም ሰልፊ ተኻይዱ


ኣብ ካናዳ ንክታበት ቫይረስ ኮሮና ዝቓወም ሰልፊ
ኣብ ካናዳ ንክታበት ቫይረስ ኮሮና ዝቓወም ሰልፊ

ንክታበት ቫይረስ ኮሮና ዝቓወሙ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ካናዳውያን ናብ ዋና-ከተማ ኦታዋ ብምውሓዝ ኣብ ከባቢ ፓርላማ`ታ ሃገር ጽርግያ መካይን ኣጽዮም።

እቲ ሰልፊ ኣብ ካናዳ ነቲ ለበዳ ዝምልከት ዝተኻየደ ዝዓበየ ሰልፊ ምዃኑ ይንገረሉ`ሎ። ይኹን`ምበር ኣብታ ልዕሊ 80 % ህዝባ ከምዝተኸተቡ ዝንገረላ ካናዳ እቶም ተሰለፍቲ እኹል ተደናገጽቲ ዝረኸቡ ኣይመስሉን።

ቀዳማይ ሚንስተር ጃስቲን ትረዶ ነቶም ክታበት ንምቅዋም ዝተሰለፉ ኣሸሓት ሰባት ፡ ብናይ ውዲት ስነ-ሓሳብን ብግጉይ ሓበሬታን ዝምርሑ ቁንጣሮ`ዮም ኢልዎም። ኣስዒቡ ካናዳውያን በዞም ውሑዳት ጸረ-ሳይንስ ግን ዓው በሃልቲ ኣይውከሉን`ዮም ኢሉ። እቶም ኣይትከተቡ ዝብሉ ተሰለፍቲ ኣብ ኦታዋ ዝርከብ ከባቢ ፓርላማ መካይን ዓጽዮም ውዒሎም`ዮም።

XS
SM
MD
LG