ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስነ ስርዓት ቀብሪ ፔለ ተፈጺሙ


ስነ ስርዓት ብራዚላዊ ንጉስ ኩዕሶ እግሪ ፔለ ኣብ ዝተወለደላን ዝዓበየላን ከተማ ሳንቶስ ሎሚ ሰሉስ ተፈጺሙ።

ብራዚላዊያን፣ ኣብ’ቲ ንኡስ ዕድሚኡ ይጻወተሉ ኣብ ዝነበረ ስታድየም ቪላ ቤልሚሮ ንዝዓረፈ ኣስከሬን ፔለ ክሰናበቱ ውዒሎም።

ኣብቲ ቦታ ርእይትኡ ዝሃበ ፖርቹጋላዊ ቱሪስት ሲልቫ ዲ ኣብሩ "ሎሚ ብስምዒት ዝተዋሓጣሉን መዓልቲ ሓዘን እያ። ንጉስ ኩዕሶ እግሪ ኢና ስኢና እንተኾነ፣ ንከተማ ሳንቶስ፣ ንብራዚልን ንዓለምን ብዘበርከቶ ግና ሕቡናት ኢና" ይብል።

ትማሊ ቃለ መሓላ ፈጺሞም ስልጣን ዝተረከቡ ፕረዚደንት ልዊዝ ኢናሺዮ ሲልቫ ነቲ ኣብ ስታድየም ናብ ህዝባዊ ምርኢት ቀሪቡ ዝዋዓለ ኣስከሬን ፔለ ድሕሪ ምስንባቶም፣ ንቤተሰብ ፔለ ኣጸናኒዖሞም። "ልዕሊ ኩሉ ዝገርመኒ ፔለ ትዕቢተኛ ኣይነበረን፣ ንኩሉ ሰብ ብማዕረ ይሕዝ ዝነበረ ምኻኑ እዩ" ከምዝበሉ ዝመጸ ዜና ሓቢሩ።

ኮኸብ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ኤድሰን ኣራንተስ ዶ ናሲመንቶ (ብሳጉኡ ፔለ) ብሕማም ካንሰር መዓንጣ እናተሳቐየ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ መበል ፰፪ ዓመት ዕድሚኡ ከምዝዓረፈ ዝዝከር እዩ።

ድሕሪ ስነ ስርዓት ቀብሪ ኣብ’ቲ ስታድየም ምፍጻሙ፣ ኣስከሬን ፔለ ኣብ ሙሉእ’ታ ከተማ ክዛወር ድሕሪ ምግባር፣ ተቐቢሩ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG