ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ውሩይ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ዓለም ነበር ፔሌ ዓሪፉ


ንሰለስተ ዋንጫ ዓለም ክዓትር ዝበቕዐን ንጉስ ኵዕሶ እግሪ ተባሂሉ ዝጽዋዕን ብራዚላዊ ፔለ ኣብ መበል 82 ዓመቱ ምዕራፉ ወኪሉ ንማዕከናት ዜና ኣመልኪቱ።

ፔለ ካብ 2012 ናይ መዓንጣ ካንሰር ድሕሪ ምግባሩ ኣብ ክትትል ሕክምና’ዩ ጸኒሑ። ኣብ ቀረባ መዓልታትን ውድድራት ዋንጫ ዓለም እናተኻየደን’ውን ኣብ ከቢድ ክትትል’ዩ ጸኒሑ። ፔለ ስሙ ኣብ መዝገብ ኵዕሶ እግሪ ብኽብሪ ዘመዝገበ፡ ንሃገራዊት ጋንታ ብራዚል ኣብ ኵዕሶ እግሪ መሪሕ ስም ክህሉዋ ወሳኒ ተራ ዝተጻወተ’ዩ። ፔለ ዛጊት ኣብ ኵዕሶ እግሪ ዝበለጸ ምዃኑ ብሰፊሕ ይዝረብ። ከም መዳርግቲ ዝጥቀሱ ዲያጎ ማርዶና፡ ሊዮነል መሲን ክሪስትያኖ ሮናልዶን’ዮም። ዝበለጸ ተጻዋታይ ዓለም ንምፍላይ በበይኑ መምዘኒታት ዝቐርብ ደኣ ይዅን እምበር፡ እቲ ዝያዳ ንፔለ ጸብለል ዘብሎ ግን ብዝሒ ዘመዝገቦ ሸቶታት’ዩ።

ጥቅምቲ 23,1940 ብኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ኣብ ንእስ ዝበለት ከተማ ዝተወለደ ኢድሰን ኣራንተስ ዶ ናሲሜንቶ፣ ኩዕሶ እግሪ ካብ ወላዲኡ እዩ ተማሂሩዎ።

ንሱ ፔለ ዝብል መጸውዒ ንጹር መልሲ ኣይተረኸቦን: ገሊኡ ጽውጽዋይ ግና ‘ንሱ ቆልዓ ኮይኑ ኩዕሶ እግሪ ክጻወት ክጅምር ከሎ ሓላዊ ማዕጾ ኮይኑ እዩ ይጻወት ነይሩ። ሽዑ መጻውቱ ምስ’ቲ ኣብ’ቲ ዘበን’ቲ ንፉዕ ሓላዊ ማዕጾ ዝነበረ ‘ቢለ’ ዝባሃል ወዲ’ቲ ከባቢ የመሳስልዎ ነበሩ። ብድሕሪ ዝተወሰነ ጊዜ ‘ቢለ’ ተቐያይራ ‘ፔለ’ ኮይና ይብል። ኢድሰን ኣራንተስ ዶ ናሲሜንቶ እናዓበየ ምስ መጸ ካብ ሓላዊ ማዕጾ ናብ ኣጥቃዒን ለባሲ ማልያ ቁጽሪ 10 ምስ በቅዐ መጸውዒኡን ዝፍለጠሉን ሽሙ ‘ፔለ’ ኮይኑ ተሪፉ።

ፔለ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ብራዚል ተሰሊፉ ኣብ 1958:1962:1970ን ሰለስተ ጊዜ ንጽዋዕ ዓለም ኣብ ምዕዋት ወሳኒ ተራ ነይርዎ።

ፔለ ኣቦ 6 ቆልዑ እዩ። ሻውዓይን ንንውሕ ዝበለ ዓመታት ብፔለ ኣፍልጦ ዘይረኸበን ውላዱ ዝባሃል፣ ቅድሚ 16 ዓመታት ብካንሰር ከምዝሞተ ጸብጻባት ይገልጹ።

XS
SM
MD
LG