ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብራዚል ብምኽንያት ሞት ፔለ ናይ ሰለስተ መዓልታት ሃገራዊ ሓዘን ኣዊጃ


ትማሊ ሓሙስ ኣብ መበል 82 ዓመቱ ንዝዓረፈ ንጉስ ኵዕሶ እግሪ ተባሂሉ ዝጽውዕ ፔለ ምኽንያት ብምግባር፡ ብራዚል ናይ ሰለስተ መዓልታት ሃገራዊ መዓልታት ሓዘን ኣዊጃ ኣላ።

ሰለስተ እዋን ዋንጫ ዓለም ብምዕታር፡ እታ ጽዋዕ ናይ ዘልኣለም ዋንነት ብራዚል ንኽትከውን መሪሕ ተራ ዝተጻወተ ፔለ፡ ንኵዕሶ እግሪ ብጥበብ ዝቐለሰ ብልሂ ተጻዋታይ ብምባል ካብ ምሉእ ዓለም ናይ ሓዘንን ክብሪን ዜናታት የቃልሕ ኣሎ።

ኣብ ሎንደን ስታድየም ወምብለይ፡ ንኽብሪ ፔለን ሃገራዊት ጋንታ ብራዚልን እቲ ስታድዮም ብጫን ቀጠልያን ሕብርታት መብራህቲ ተወሊዑዎ ኣሎ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ብራዚል ዝርከባ ዓበይቲ ስታድዮማት ሪዮ-ዲ ጀነሪዮ፡ ሳንቶስን ማራካናን ንኽብሪ ፔለ ሓወልቲ ብምትካል እተን ስታድዮማት’ውን ንኽብሪ ፔለ ዝውክል መብራህቲ ወሊዐን ኣለዋ።

ብዛዕባ ፔለ ብዙሕ ይጸሓፍ እኳ እንተሎ፡ ኮሪዮ ብራዚልነዝ ዝተባህለት ናይ ብራዚል ጋዜጣ ከም ዘስፈረቶ፡ ፔለ ኣብ ፈለማ 1969 ንበልጂዩም እትመሓደር ዝነበረ ኮንጎ ምስ ከደ፡ ብሳላኡ ኲናት ሓድሕድ ንሓንቲ መዓልቲ የዕሪፉ ውዒሉ። እዚ ክኸውን ዝኸኣለ ኣንጻር ዝዋግኡ ዝነበሩ ወገናት ኮንጎ-ኪንሻሳን ኮንጎ ብራዛቪልን ብረቶም ኣቐሚጦም ንፔለ ንምዕዛብ ኣብ ስታድዩም ድሕሪ ምርካቦም’ዩ።

ብተመሳሳሊ ምስ ሓይልታት ቢያፍራ ዝዋጋእ ዝነበረ መንግስቲ ናይጀሪያ፡ ንፔለ ሒዛ ናብኡ ዝተጓዕዘት ጋንታ ሳንቶስ ክትጻወት እንከላ፡ ንኽብሪ እቲ መዓልቲ ኢሎም ኲናት ደው ከብሉ መብጽዓ ኣትዮም፡ እቲ መዓልቲ ድማ ብሰላም ሓሊፋ።

XS
SM
MD
LG