ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሳልማን ራሺዲ ኣብ ዝተመሓየሸ ግን ከኣ ኣጸጋሚ ኵነታት ከም ዘሎ ሓቢሩ


ፋይል
ፋይል

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ነሓሰ ኣብ መድረኽ ብዘጋጠሞ ማህረምቲ ተኸዊሉ ዝጸንሐ ህንዳዊ-እንግሊዛዊ ደራሲ ሳልማን ራሺዲ፡ ምስ መጽሔት ኒው-ዮርከር ኣብ ዘካየዶ፡ ናይ ድሕሪ ማህረምቱ ፈላሚ ቃለ-ምልልስ፡ ንኽጽሕፍ ኣመና ይጽገም ምህላዉ ኣካፊሉ። ሎሚ ሰሉስ ናብ ህዝቢ ትዝርጋሕ ዘላ መጽሓፉ 'Victory City' ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዝገበሮ መፋለጢ ዕላል፡ እቲ ደራሲ የማነይቲ ዓይኑ’ውን ከም ዝዓወረት ኣመልኪቱ።

ራሺዲ፡ ብዘይካ ሓንቲ ዓይኑ፡ ብኻልኣይቲ ኢዱ’ውን ንምስራሕ ከም ዝጽገም ኣብቲ ቃለ-መሕተት ኣፍሊጡ።

ኣብ 1988 ብዘሕተማ The Satanic Verses እትብል ልብ-ወለድ፡ ንእምነት እስልምና ኣነኣኢሳ ብዝብል ምኽንያት፡ ብላዕለዋይ ሃይማኖታዊ መራሒ ኢራን ናይ ሞት ፍርዲ (ፋታዋ) ዝተበየኖ ራሺዲ፡ ነዊሕ ዓመታት ተሓቢኡ ድሕሪ ምንባር፡ ምስ ምንዋሕ ግዜ ናብ መድረኽ ክቕልቀል ምስ ጀመረ’ዩ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ኒው-ዮርክ መጥቃዕቲ ኣጋጢሙዎ።

ሃራሚ፡ ብኻራ ገይሩ፡ ንራሺዲ 12 ግዜ ከም ዝወግኦ ይዝከር።

XS
SM
MD
LG