ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መጥቃዕቲ ሳልማን ራሺዲ - መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ናጻ ሓሳባት


ራሺዲ መጥቓዕቲ ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን
ራሺዲ መጥቓዕቲ ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን

ካብ ተኸተልቲ እምነት እስልምና ዝዀኑ ስድራቤት ኣብ ህንዲ ዝተወልደ ሳልማን ራሺዲ ካብ ነዊሕ እዋን ተሓላቒ ናጻ ፕረስን መሰል ሓሳባትካ ምግላጽን ምዃኑ’ዩ ዝፍለጥ።

“ምናልባት ክብሎ ኣድላዪ እንተዀይኑ፡ ሓደ ጸሓፊ ነቲ ዘይብሃል ክብል፣ ነቲ ዘይዝረብ ክዛረብ፣ ኣዋጠርቲ ሕቶታት ክሓትት’ዩ ዘለዎ፡” ይብል ራሺዲ።

ራሺዲ ነቲ ን75 ዓመታት ህይወቱ መለልዪ ዝዀነ ብዛዕባ መሰል ምግላጽ ሓሳባት ክዛረብ ይዳልወሉ ኣብ ዝነበረ እዋን’ዩ ብዓርቢ ኣብ ኒውዮርክ ተሃሪሙ። ሃራሚ ብኻራ ገይሩ ንኸብዱን ክሳዱን’ዩ ደጋጊሙ ወጊኡዎ። ድሕሪኡ ብሄሎኮፕተር ንሕክምና ተወሲዱ፡ መጥባሕቲ ገይሩ። ወካሊኡ፡ ጸላም ከብዱ ምጕድኣ፡ ናይ ኣእዳዉ መትንታት ምትንካፉን ጸገማት ምርኣይ ከጓንፎ ከም ዝኽእልን ድሒሩ ሓቢሩ'ሎ።

ሃራሚ ራሺዲ ነባሪ ኒው-ጀርሲ ዝዀነ ወዲ 24 ዓመት ሃዲ ማታር ዝተባህለ’ዩ። ከም ጸብጻባት ፖሊሲ፡ ኣጥቃዒ ምስ ሕዝቦላህን ኢራንን ዝድግፍ’ዩ።

ጋዜጠኛ ኣሶሽትድ ፕረስ ዝዀነ ጆሽዋ ጎድማን ኣብ እዋን መጥቃዕቲ ዝነበረ’ዩ። ነቲ ኣጋጣሚ ክግለጾ እንከሎ፤ “እቲ መደብ ተጀሚሩ ደቒቕ’ውን ኣይመልአን። መላልዪ ተገይሩሉ ናብ መድረኽ ክድይብ እንከሎ፡ ሓደ ካብ ካብ መንጎ ተዓዘብቲ ናብ መድረኽ ክጐዪ ተዓዚብና። ድሕሪኡ ብቕልጡፍ ክሃርሞ ጀሚሩ። ፈለማ እንታይ የጓንፍ ምህላዉ ንምግንዛብ’ውን ኣይከኣልናን። ደም ወይ ካልእ ቀይሕ ፈሳሲ ናብ ኵሉ ኵርናዓት ክናጠር ግን ኣስተውዒልና።”

ሳልማን ራሺዲ ኣብ 1988 ዘ ሳታኒክ ቨርስስ (The Satanic Verses) እትብል መጽሓፍ ድሕሪ ምሕታሙ፡ ብሃይማኖታዊ መራሒ ኢራን ናይ ሞት ብይን (ፋታዋ) ተነቢሩሉ፡ ፍርዲ ሞት ኣብ ዝባኑ እናሃለወ’ዩ ነዊሕ ዓመታት ጸኒሑ። እቲ ሃይማኖታዊ መራሒ ኢራን ነቲ ናይ ሞት ፍርዲ ዝበየነሉ ንሃይማኖት እስልምና ኣራኺሱ ብዝብል ምኽኒት’ዩ።

ድሕሪ ትእዛዝ ፋታዋ፡ ራሺዲ ንነዊሕ ዓመታት ተሓቢኡ’ዩ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ 1990ታት ግን መንግስቲ ኢራን ካብቲ ብይን ፋታዋ ነብሱ ከም ዘግለለ ሓቢሩ። ነቲ ብይን ኣያቱላህ ግን ኣይደመሰሶን። እቲ ዝነበረ ስግኣት ብመጠኑ ስለ ዝጐደለ ድማ ሳልማን ራሺዲ ካብቲ ተሓቢኡሉ ዝነበረ ብመጠኑ ክቀላቐል ጀሚሩ።

ድሕሪ’ዚ እምበኣር’ዩ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢራን፡ ብሰኑይ፡ ኣብቲ መጥቃዕቲ ኢድ ከም ዘይብሉ ዝገልጽ ዘሎ። ኣብቲ መጥቃዕቲ ተሳትፎ ከም ዘይብሉ ዝጠቐሰ ወሃብ-ቃል እቲ ሚኒስትሪ ግን ኣብ ልዕሊ እቲ ጸሓፊ ዘለዎ ቅሬታ ካብ ምግላጽ ኣይተቖጠበን። ወሃቢ ቃል እቲ ሚኒስትሪ ናሰር ካንኣኒ ክዛረብ እንከሎ፤ “ሳልማን ራሺዲ ንኽብሩን ቅዱስን እስልምና ብምርኻሱ ብዙሕ ጸላኢ ኣጥርዩ። ንቕዱስ እስልምና ብንሻው ንኣስታት 1.5 ቢልዮን ሰዓቢ ዘለዎ ቀይሕ መስመር ሰጊሩ፡” ኢሉ።

ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ብቓና ኢራን ዘይዕግበቱ ገሊጹ ኣሎ። ወሃብ-ቃል እቲ ክፍሊ ነድ ፕራይስ፡ ሳልማን ራሺዲ ንዓሰርታት ዓመታት ኣብ ሃድን መንግስቲ ኢራን ከም ዝጸንሐ ብምጥቃስ፡ ሕጂ’ውን መንግስቲ ኢራን ኣብቲ መጥቃዕቲ ቅድሚት ከም ዝጥርጠር ጠቒሱ።

ዝምድና ኢራንን ኣመሪካን ኣይረግአን ዘሎ። ንዘተ ጉዳያት ምምዕባል ኑክሌር ክምለሳ ምዃነን ክልተአን መንግስታት ቅሩብነቶም ክገልጹ ጸኒሖም ኣለዉ። ክልተኣዊ ርክብን ዝርርብ ኑክሌርን ካብ 2018 ኣትሒዙ ምስ ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ ሻሕኪሩ’ዩ ጸኒሑ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ሃራሚ ራሺዲ ኣብ ቤት ፍርዲ ዝቐረበሉ ፈላማይ ጊዜ ነቲ ዝቐረበሉ ክስታት ነጺጉዎ ኣሎ። ኣብ ማእሰርቲ ዘሎ ጥርጡር መሰል ዋሕስ ኣይክፍቀዶን’ዩ።

XS
SM
MD
LG