ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢራን ኣብ መጥቓዕቲ ራሺዲ ኢድ ከምዘይብላ ተመልክት


ህንዳዊ-እንግሊዛዊ ደራሲ ሳልማን ራሺዲ
ህንዳዊ-እንግሊዛዊ ደራሲ ሳልማን ራሺዲ

ህንዳዊ-እንግሊዛዊ ደራሲ ሳልማን ራሺዲ ኣብ ኒው-ዮርክ ዝሓለፈ ዓርቢ ንመድረኽ እናተዳለወ ብሓደ ዜጋ ድሕሪ ምህራሙ ኣብ ዝተረጋግአ ኵነት ከም ዘሎ ኣሕታሚኡ ገሊጹ። እንተዀነ ብኻራ ወይ ካልእ በሊሕ መሳርሒ ተደጋጋሚ እዋን ዝተሃርመ ራሺዲ ዕውረት ሓንቲ ዓይኒ ፡ ካልእ ኣካላቱ ድማ ነባሪ መጕዳእቲ ከትርፍ ከም ዝኽእል ቤተ-ሰቡ ኣመልኪቶም።

ኣብ 1988 “ሳታኒክ ቨርስስ” እትብል ኣከራኻሪት ልብ-ወለድ ድሕሪ ምሕታሙ፡ ብላዕለዋይ ሃይማኖታዊ መሪሕነት ኢራን ብኣያቱላህ ኮሚኒ፡ ንእምነት ምስልምና ብምቍሻሽ ብዝብል ምኽኒት ናይ ሞት ፍርዲ ተበዪኑሉ ንኣስታት ትሽዓተ ዓመታት ተሓቢኡ’ዩ ነይሩ። ነቲ ናይ ሞት ብይን ዝሃበ ላዕለዋይ ሃይማኖታዊ መራሒ ኢራን ይሙት ደኣ’ምበር ብኻልኦት ተኸተልቲ ግን እቲ ናይ ሞት ብይን ክፍጸም ከም ዝኽእል ኣብ ስግኣት’ዩ ነይሩ።

ኢራን ኣብቲ ጉዳይ ኢድ ከም ዘይብላ ሎሚ ሰኑይ ሚኒስተሪ ወጻኢ ጉዳያት እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ሃራሚ ራሺዲ ዝዀነ ሃዲ ማታር ብቐዳም ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ነይሩ ናይ ፈለማ ምስማዕ ተካዪዱ። ዛጊት ግን ነቲ ስጕምቲ ንኽወስድ ዝደፍኦ ኣይሓበረን።

XS
SM
MD
LG