ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምኽትል ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ ኣብ ክልል ዓፋር ብምብጻሕ ብግጭት ንዝተጎድኡ ምዕዛባ ተገሊጹ


ምብጻሕ ምክትል ዋና ጸሓፊት ሕ ሃ ኣብ ክልል ዓፋር ኢትዮጵያ
ምብጻሕ ምክትል ዋና ጸሓፊት ሕ ሃ ኣብ ክልል ዓፋር ኢትዮጵያ

ምኽትል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣሚና መሓመድ፡ ብፕረዚደንት ኢትዮጵያ ሳህለ-ወርቅ ዘውደ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኦለሰገን ኣባሳንጆን ተሰንያ ትማሊ ክልል ዓፋር ብምብጻሕ ብግጭት ንዝተጎድኡ ምዕዛባ ተሓቢሩ።

ወሃቢ ቓል ክልል ዓፋር ኣሕመድ ቀለታ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እታ ምኽትል ዋና- ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብቲ ብመጥቃዕቲ ህወሓት ልዕሊ 300 ሺሕ ህዝቢ ዝተፈናቐለሉ ከባቢ`ያ ምብጻሕ ጌራ ይብል።እቲ ወሃቢ ቓል ክልል ዓፈር ኣሚና መሓመድ ኣብ ዱፍቲ ንዝርከብ ግዳያት ዝርከብሉ ሆስፒታል ዝበጽሐት ክትከውን ከላ ብዳሕራዋይ መጥቃዕቲ ህወሓት ዝወረደ ኣዕናዊ ተግባራት`ውን ብቐረባ ክትዕዘቦ ክኢላ ኢሉ ።

እታ ምኽትል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ መበል 35 ዋዕላ መራሕቲ ኣፍሪቃ ድሕሪ ምስታፍ ኣብ ዝተፈላላየ ብግጭትን ደርቅን ዝተጎድኡ ክልላት ኢትዮጵያ ምብጽሓ ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG