ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ሰብኣዊ ሓገዝ ትማሊ’ዩ ክባጻሕ ነይሩዎ” ምክትል ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃገራት


ምክትል ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃገራት ኣሚና መሓመድ
ምክትል ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃገራት ኣሚና መሓመድ

ምክትል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣሚና መሓመድ፡ ኣብ ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪቃ ድሕሪ ምስታፋ ናብቲ ብዂናት ዝተሃስየ ክልላት ኣምሓራ፡ ትግራይን ዓፋርን ድሕሪ ምብጻሓ ሎሚ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ ዋዕላ፡ ኣብቲ ጉባኤ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ብምስታፋ ምስ መራሕቲ ዝተፈላለዩ ሃገራት ብቐጥታ ክትራኸብን ክትዛተን ዕድል ከም ዝፈጠርላ ድሕሪ ምጥቃስ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ዝገበረቶ ዑደት ድማ ነቲ ኣሕዛኒ ክስተት ብኣካል ክትዕዘቦ ዕድል ምርካባ ሓቢራ።

“ኣብ ኲናት ተዓዋቲ የሎን” ዝበለት ምክትል ዋና ጸሓፊ፡ ምስ በበይኖም ኣካላት ሕቡራት ሃገራትን ሰራሕተኛታት ረዲኤትን’ውን ክትራኸብ ምኽኣላ ኣመልኪታ። “ሰብኣዊ ሓገዝ ሎሚ ዘይኰነስ ትማሊ’ዩ ክባጻሕ ነይሩዎ” ድሕሪ ምባላ ድማ፡ እቶም ልዕሊ ኵሉ በዚ ኲናት ዝተሃስዩ ወገናት ደቀንስትዮን ቆልዑን ምዃኖም ድሕሪ ምጥቃስ እቲ ሓገዝ ድማ ዝያዳ ናብኣቶም ክባጻሕ ኣስሚራ።

እታ በዓልቲ መዚ ቀጺላ፡ ሕቡራት ሃገራት እቲ ዝኣምነሉ መስመር ምቍራጽ ተጻብኦታት ምዃኑ ድሕሪ ምሕባር፡ ናብ ዝቕጽል መገዲ ሃገራዊ ዘተን ዕርቂን ንምብጻሕ ድማ ሕጂ’ውን እቲ ምቍራጽ ተጻብኦታት እንኮ ኣማራጺ ምዃኑ ሓቢራ።

XS
SM
MD
LG