ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምኽትል ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃን ፍሉይ ልኡኽ ሕ/ኣፍሪቃን ኣብ ኲናት ዝተኻየደሎም ከባቢታት ኢትዮጵያ ምብጽሖም ተገሊጹ


ምኽትል ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ ኣሚና መሓመድ
ምኽትል ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ ኣሚና መሓመድ

ወኪል ሕቡራት ሃገራት ኮይነን ኣብ ኣኼባ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተሳተፋ ምክትል ዋና ጸሓፊ ኣሚና መሓመድ፣ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን መገሻ ከምዝፈጸማን ኣብ ካልኦት ክልላት’ውን ተመሳሳሊ ምብጻሕ ከምዘካየዳተፈሊጡ።

ብመሰረት’ዚ፣ ትማሊ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣትየን፣ ምስ ኣማሓዳሪ’ቲ ክልልን ካልኦት ሰበ ስልጣንን ተዘራሪበን። ከምኡ'ውን ውግእ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ቆልዑን ዘውረዶ ጉድኣት ተዓዚበን።

ንሰን ምስ ደቂ ኣንስትዮን ተማሃሮን ድሕሪ ምርኻበን ኣብ ዝሃበኦ ርእይቶ "ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ጾታ ዝተመርኮሰን ጾታዊ መጥቃዕቲን ፈጺሙ ኣይጻወርን" ኢለን።

ንሰን ወሲኸን "ህዝቢ ኢትዮጵያ፣ ሰላም ንክረክብ ግድን ክነሕግዝ ኣለና'ውን" ኢለን።

ኣብ መቐለ’ውን ተመሳሳሊ መገሻ ዝፈጸማ ኣሚና መሓመድ፣ ውግእ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ቆልዑን ዘውረዶ ጉድኣት ተዓዚበን። ምስ ናይ ክልል ትግራይ ፕረዚደንት፣ ብዛዕባ ውግእ ብሰላም ዝፍተሐሉ ኩነታትን ዕድላቱን’ውን ተዘራሪበን።

ኣሚና መሓመድ ኣብ’ቲ ሕቡራት ሃገራት ዝምውሎ ሆስፒታል ዓይደር መቐለ በጺሐን። ደቂ ኣንስትዮ ዘጓነፈን ጸገም ክዝረበሉ ከምዝግባእን ኣብ ውግእ ዝዕወት ወገን ከምዘየለን ጠቂሰን።

ምክትል ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ ኣሚና መሓመድ፣ ኣብ ክልል ሶማሌ ንብምብጻሕ ንብደርቂ ዝተጎድኡ ማህበረሰብ'ውን በጺሓን።

ብተመሳሳሊ ሎሚ ሶኑይ ፕረዚደንት ናይጀሪያ ነበርን ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ኦሌሰንጎን ኦማብሳንጆ ዑደት ኣብ ከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን አካይዶም።

እቶም ፍሉይ ልኡኽ ክፍታሕ ብዝኽእል ፀገም ዘጋጠመ ምጥፋእ ህይወትን ንብረት ከምዘሕዘኖም ኣይሓብኡንን።

ምኽትል ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ዶክተር ጌታቸው ደጀን ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ሰብኣዊ ሓገዝ ክባፃሕ ካብ ዝገብሮ ፃዕሪን ፃዊዕትን ብተወሳኺ ኵናት ክለዓል ዝሰርሑ ሓይልታት ካብ ተግባሮም ክዕቀቡ ናይ ምግባር ሞራላውን ሕጋውን ሓለፍነት ኣለዎ ኢሎም ።

XS
SM
MD
LG