ዋሽንግተን —
ሓላፊ ብመንግስቲ ናይ ዝተጣየሰ ቤት ምኽሪ መሓውራት ዜና ኬንያ ምቑፃር ውፅኢት ምርጫ ደው ከብሉ ዝነገሮም አካል ከምዘየለ ሓቢሮም።እዚ ዝኸውን ዘሎ ብዛዕባ እቲ ውፅኢት ዝቐርብ ጸብጻብ ብሃንደበት እናነከየ ምምፅኡ ተዓዘብቲ ድሕሪ ምግላፆም እዮም።
ዋና ሓላፊ ቤት ምኽሪ መሓውራት ዜና ኬንያ ሎሚ ዓርቢ ንኣሶሴትድ ፕረስ ከምዝሓበሮ ምቁፃር ደው ከብሉ ዋላ ሓደ አካል ዝተዛረበ የለን ኢሉ። ንሱ ብተወሳኺ "እቲ ቑፅሪ ነንሕድሕዶም ምውዳድ የድሊ፤ነቲ ኣሃዝ ሓቢርና ንርኣዮ’’ድሕሪ ምባል ምስ መራሕቲ መሓውራት ዜና ንምዝርራብ መደብ ከምዘለዎ እውን ኣፍሊጡ ኣሎ።
ኬንያ ቴሌቪዥን ኔትዎርክ፣NTV ኬንያን Citizen TVን ብኮሚሽን ምርጫ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ይወፅእ ዝነበረ ፕረዚደንታዊ ውፅኢት ደው ኢሉ ክብላ ትማሊ ሓሙስ ድሕሪ ምፅብፃበን ከባቢያዊ ተዓዘብትን መራኸቢ ብዙሃንን ስኽፍትኦም ገሊፆም ኣለው።
ሓደ ሕፁይ ክዕወት ልዕሊ 50% ሓፈሻዊ ድምፂን እንተወሓደ ኣብ ልዕሊ ፍርቂ ካብ 47 ምምሕዳራዊ ከባቢታት ድምፂ ክረክብ ኣለዎ።
ወግዓዊ ውፅኢት ምርጫ ኣብ ውሽጢ ሰሙን ወግዓዊ ከምዝኸውን ተገሊጹ'ሎ።