ኬንያ —
ትማሊ ሰሉስ ብተዛማዲ ሰላማዊ መንገዲ ምክያዱ ዝተሓበረ ሃገራዊ ምርጫ ኬንያ ውጽኢት ኣብዚ ሰሙን ክፍለጥ ትጽቢት ይግበር። ዛጊት ተኻዪዱ ብዘሎ ምቝጻር ምኽትል ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶን ንሓሙሻይ እዋን ዝወዳደር ዘሎ ራይላ ኦዲንጋን ብኣዝዩ ተቐራራቢ ውጽኢት ይመርሑ ኣለዉ።
ክልቲኦም መሪሖም ዘለዉ ተወዳደርቲ ንውጽኢት ምርጫ ክቕበሉ ምዃኖም ቃል ሂቦም ኣለዉ።
ተወዳደርቲ ዘድሊ 50% ድምጺ ምስ ዘይረኽቡ እቲ ምርጫ ክድገም’ዩ። ዛጊት ተረኺቡ ብዘሎ ውጽኢት ግን ናብኡ ዝመርሕ ኣይመስልን።
ከም ጸብጻብ ወኪላት ድምጺ ኣመሪካ ካብ ናይሮቢ፡ ሎሚ ዓመት 13.2 ሚልዮን ኬንያውያን ድምጾም ሂቦም ኣለዉ። እዚ ኣሃዝ’ዚ 60% ናይቶም ምዝጉባት መረጽቲ ምዃኑ’ዩ። ኣብ 2017 ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ግን 80% ድምጾም ምሃቦም እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ። ሰፊሕ ሰረት ዘለዎ ብልሽውናን ዘይትግበር መብጽዓታትን ካብቲ ቀንዲ ምኽንያት ናይ ምንቍልቋል ወሃብቲ ድምጺ ምዃኑ ተንተንቲ ይግምቱ።