ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኬንያ ኣብ ጽኑዕ ሓለዋ ይሳለጥ


ኮሚሽን ምርጫ ኬንያ 46,232 ኑቑጣታት ምርጫ ኣብታ ሃገር ሎሚ ሰሉስ ዜጋታት ድምጾም ክህቡ ክፉታት ኮይኖም ምውዓሎም ገሊጹ።

ኬንያዊያን መራሕቶም ንምምራጽ ናብ ነቑጣታት ምርጫ ውሒዞም እዮም። ይኹን ደኣ እምበር ገለ ሪፖርታት ግና ዝተወሰነ ዘይስሩዕ ኩነታት ከምዝነበረ ይገልጹ።

ንኣብነት ኣብ ሮንጋይ ዝተባህለ ከባቢ ወረዳ ናኩሩ ኣብ መምረጺ ወረቀት ጌጋ ስለዝተረኸበሉ፣ መስርሕ ምርጫ ተቋሪጹ ነይሩ። ህዝቢ’ቲ ከባቢ ተቃውሞኦም ንምቅላሕ፣ መገዲታት ዓጽዮም፣ ሓዊ ኣቃጺሎም።

ኣብ ካልኦት ከባቢታት ኬንያ’ውን መመዝገቢ መሳርሕ ክሰርሕ ኣይካአለን፣ ሪጋ’ውን ነዊሕዎም ዘማርሩ ሰባት ነይሮም እዮም።

ካልእ ርኡይ ጸገም፣ ንመረጽቲ ዘለሊ መሳርሕ፣ ንኣሰር ሕጽይቲ ምክትል ፕረዚደንት ኮይነን ዘለዋ መወዳድርቲ ምክትል ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ከለልዮ ዘይምኽኣሉ እዩ። ንሰን ድምጸን ንክህባ ዝኻኣላ፣ ሳላ እቲ ንመረጽቲ እናጻረየ ንክኣትው ዝፈቅድ ዝነበረ ውልቀ ሰብ ከምዘለለየን ድሕሪ ምግላጹ እዩ።

ኣብ ናይሮቢ ድምጹ ዝሃበ መዋንጊ ኬቪን ንክመርጽ ኢሉ ነዊሕ ከምዝተጸበየ ይዛረብ።

"እቲ መስርሕ ጽቡቅ ኣሎ። ኣብ ፈለማ ዘጓነፈና ብድሆ፣ ትጽቢት እዩ። ከምዝመስለኒ 6:30 ንግሆ እዩ ተኸፊቱ። ኣነ ዝተጸበኽሉ ጊዜ ንውሓቱ ሰለስተ ሰዓታት እዩ ነይሩ። ብዝጸናሕና ቁጽሪ ድማ እናሰለጠ ከይዱ። ሳንዱቃት ምርጫ ዘተኣማምኑ እዮም።"

ካልእ ርእይቶ ዝሃበት 44 ዓመት ዝዕድሚኣን ኣብ ማእከል ናይሮቢ ጥቃ ፓርላማ ነባሪትን ዝኾነትን ራሃብ ካማኡ ብወገና ብመስርሕ ምርጫ ሕጉስቲ ከምዝኾነት ትዛረብ።

"እዛ ሃገር’ዚኣ፣ ትመርጾ ሰብ፣ ፈሪሃ ኣምላኽ ዘለዎን ንኬንያ ዝሕግዝን ክኸውን እዩ ኢለ ተስፋ ይገብር። ንፋይናንሳዊ ጾርና ዘፍኩሰልና፣ ምኽባር ናብራ ዝንክየልናን ዕድል ስራሕ ዝፈጥረልናን መራሒ ኢና ንደሊ።"

ኣብ ናይ ሎሚ ሃገራዊ ምርጫ ኬንያ 22.1 ሚልዮን ኬንያዊያን ድምጾም ሂቦም ኣለው። ፕረዚደንት፣ ኣመሓደርቲ ክፍላተ ሃገራት፣ ሴነተራት፣ ኣባላት ቤት ምኽሪን ከባቢያዊ ቤት ምኽሪን ክመርጹ እዮም ።

ኣርባዕተ ሕጹያት ንፕረዚደነት ይወዳደሩ ኣለው። ምክትል ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ፣ ቀ/ሚ ነበር ራይላ ኦዲንጋ፣ ሕጹይ ፓርቲ ሱር ጂኦርጅ ዋያኮያህን ባዓል ሞያ ሕጊን ዴቭድ ምዋሬ ዋሂጋን እዮም። ሓዲኦም ንፕረዚደንት ኡሁሪ ኬንያታ ክትክኡ ትጽቢት ይግበረሎም።

ኣብ ዞባ ምርጫ ናይሮቢ ንኩነታት ጸጥታ ዝከታተል ኪፕሮች ሳይድ መሓመድ፣ ቀንዲ ስግአትና ጸጥታ ነቁጣታት ምርጫ እዩ ይብል።

"ቀንዲ ሻቅሎትና፣ ኩነታት ጸጥታ ማእከላት ምርጫ፣ ኣፈጸምቲ ምርጫ፣ ናይ ምርጫ ኣቅሑትን እቲ ከባቢን እዩ። ኣብ’ቶም ማእከላት ጥራሕ ዘይኮነ፣ ኣብ ሙሉእ ናይሮቢ፣ መስርሕ ምርጫ ብሰላም ጀሚሩ ንክዛዘም ዘሐግዙ እኹል ሓይሊ ጸጥታ ኣዋፊርና ኢና።"

ኣብ ኬንያ፣ ብዙሓት ፓርቲታት ኣብ ውድድር ምርጫ ምስታፍ ካብ ዝጅመረሉ ጊዜ ንደሓር፣ እዚ ናይ ሎሚ ንሻውዓይ ጊዜ ዝተዳለወ ሃገራዊ ምርጫ እዩ።

ኣብ ፈለማ ሰዓታት እቲ መስርሕ ካብ ዝተራእዩ ገለ ኣበራት ወጻኢ፣ መስርሕ ምርጫ ኬንያ ጽፉፍ ኮይኑ ቀጺሉ ከምዘሎን፣ ኬንያዊያን፣ እቲ ቅድሚ ሎሚ ሕጂ ዘጋጠመ ዕግርግር ክድገም ከምዘይደልዩን ይሕብሩ።

ሓደ ሕጹይ ኣብ’ዚ ውድድር ንክዕወት፣ ለዕሊ ሓምሳ ሚእታዊት ድምጺ ክረክብ ግድን እዩ። ብከምዚ መልክዕ ተዓዋታይ እንተዘይተረኺቡ፣ ኬንያዊያን፣ ተመሊሶም ኣብ ካልኣይ ዙር ምርጫ፣ ድምጾም ክህቡ ክግደዱ እዮም።

XS
SM
MD
LG