ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መስርሕ ምምራጽ ኣፈ ጉባኤ ኣመሪካ ቀጺሉ'ሎ


ባይቶ ኣመሪካ ኣፈ-ጉባኤ ንምምራጽ ሎሚ ዓርቢ ንራብዓይ መዓልቲ ድምጺ ምሃብ መስርሕ የካይድ ኣሎ። ኣብ ባይቶ ኣመሪካ ዝበዝሓ ቑጽሪ ሒዞም ዘለዉ ሪፓብሊካን ኣብ ሓደ ክጥመሩ ስለዘይከኣሉ ዛጊት ኣፈ-ጉባኤ ንምምራጽ ተሸጊሮም ኣለዉ።

20 ዝኾኑ የማናውያን ዓቃባውያን ኣባላት ባይቶ፡ ካብ ካሊፎርንያ ዝተወከለ ኮንግረማስ ኬቨን ማካርቲ ንዓቃባዊ ስነ-ሓሳብ ከተግብር ዝኽእል እኹል ትብዓት የብሉን ብዝብል ዝቕጽል ኣፈ-ጉባኤ ባይቶ ንኸይከውን ንስለስተ መዓልታት ድምጺ ነፊጎሞ`ዮም።

ኣብቲ 435 ኣባላት ዘለውዎ ባይቶ ኣመሪካ፡ ሓደ ሰብ ኣፈ-ጉባኤ ክኸውን እንተኾይኑ፡ 218 ድምጺ ክረክብ ኣለዎ። ደሞክራት ንባዕሎም ናቶም ሕጹይ ብምቕራብ ካብ ኒውዮርክ ንዝተወከለ ሓኪም ጀፍሪስ 212 ድምጺ ሂቦሞ ኔሮም`ዮም። ኣብ ነፍስ ወከፍ ዙርያ ምውሃብ ድምጺ ሓዲሽ ምርቋሕ ዝካየድ ክኸውን ከሎ ትማሊ ኣብ መበል 11 ዙርያ ንኮንግረስማን ሓኪም ጀፍሪስ ንኣፈ ጉባኤ ዝሰየሞን ብዛዕብኡ መደረ ዘስምዐን ካብ ክፍለ-ግዝኣት ኮሎራዶ ዝተወከለ ኤርትራዊ ኣመሪካዊ ኮንግረስማን ዮሴፍ ንጉሰ`ዩ ኔሩ።

ሪፓብሊካን ኣብ ልዕሊ ደሞክራት ናይ 10 መናብር ብልጫ እንተለዎም`ኳ፡ ብምሉኦም ንኬቨን መካርቲ ድምጾም ክህብዎ ስለዘይክኣሉ፡ ክዕወት ኣይክኣለን፡ እንተኾነ ገለ ሕድገታት ብምግባር ክሳብ ዝዕወት ኣብቲ ውድድር ከምዝጸንሕ ኣፍሊጡ`ሎ።

እቲ ምውሃብ ድምጺ ምምራጽ ኣፈ-ጉባኤ ሎሚ ዓርቢ`ውን ቀጺሉ ይርከብ።

Recommended

XS
SM
MD
LG