ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

አባላት ባይቶ ኣመሪካ ንፍጻመ 6 ጥሪ 2021 ይዝክሩ


ኣብ ኣመሪካ ኣብ ቤት ጽሕፈት ባይቶ ኣመሪካ(ካፒቶል ሂል) 6 ጥሪ ዝተኻየደ ኣድማ ሎሚ 6 ጥሪ 2022 ክልተ ዓመቱ ኣቑጺሩ'ሎ። ደገፍቲ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ንካፒቶል ሂል ብምውራር ንውጽኢት ምርጫ 2020 ንምኽልካል ዝፈተንሉ ዓመት'ዩ።

ነቲ ዕለትን ነቶም በቲ መጥቃዕቲ ህይወቶም ዝሰኣኑን ዝቖሰሉን ንምዝካር ሓደ ንክልቲኡ ሰልፍታት ዝሓቖፈ ጉጅለ ኣባላት ባይቶ ሎሚ ኣብ ቅድሚ ህንጻ ካፒቶል ተኣኪቦም ኔሮም።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ነቲ ዕለት ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝዘከረሉ እዋን ን12 ዜጋታት ፕረዚደንታዊ ሽልማት ብምሃብ ካልእ ስነ-ስርዓት`ውን ኣዳልዩ ኔሩ። ብመሰረት ሓበሬታ ሓደ በዓል ስልጣን ዋይትሃውስ እቶም ተሸለምቲ ኣብ ዙርያ 6 ጥሪ 2021 ንዝገበርዎ ኣብነታዊ ኣበርክቶ`ዮም ተሸሊሞም። ካብ መንጎ`ቶም ሎሚ ፕረዚደንታዊ መዳልያ ዝሽለሙ ዘለዉ፡ ሓንቲ ሰራሕተኛ ምርጫ ስርሓ ብምስራሓ ኣብ ልዕሊኣን ጓላን ምፍርራሕ ዝበጸሓ ሰበይቲ፡ ኣባላት ፖሊስ ካፒቶል ሂልን ዋሺንግተንን፣ ኣባላት ባይቶ ከምኡ`ውን ሰራሕተኛ ፈደራል መንግስቲ ዝነበሩ ይርከብዎም።

ኣብ ካፒቶል ሂል ንኣባላት ባይቶ ክከላኸል ህይወቱ ዝሓለፈ ብሪያን ሲክኒክ ዝተባህለ ፖሊስ`ውን ብሽሙ መዳልያ ተዋሂቡ`ሎ፡ ስድራቤቱ ድማ ንካፒቶል ሂል ኣብ ምውራር ደገፍቱ ኣሰሊፉ ብምባል ንዶናልድ ትራምፕ ብ10 ሚልየን ዶላር ካሕሳ ከሲሶም ኣለው።

XS
SM
MD
LG