ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ኣመሪካ ንምምራጽ ዝካየድ ድምጺ ምሃብ ቀጺሉ'ሎ


ዝቕጽል ኣፈ-ጉባኤ ባይቶ ኣመሪካ ንምምራጽ ዝካየድ ምሃብ ድምጺ ሎሚ ሓሙስ 5 ጥሪ 2023 ሳልሳይ መዓልቱ ሒዙ። ኣብ ባይቶ ወከልቲ ዓብላሊ መናብር ሒዞም ዘለዉ ሪፓብሊካን ኣፈጉባኤ ንምምራጽ ኣብ ሓደ ድምጺ ክመጹ ስለዘይክኣሉ`ዩ እቲ መስርሕ ዝጓተት ዘሎ። ካብ ካሊፎርንያ ዝተወከለ ተሪር ዓቃባዊ ዝብሃል ኬቨን ማካርቲ ሽሕ`ኳ ኣፈጉባኤ ንክኸውን ብተደጋጋሚ እንተተሰየመ፡ ካልኦት ዓቃባውያን ብጾቱ ድምጺ ስለ ዝነፈግዎ ንክልተ መዓልታት ክሰልጦ ኣይክኣለን። ሰሉስ ሰለስተ ዙርያ ከምኡ`ውን ረቡዕ ስለስተ ዙርያ ተፈቲኑ- 218 ድምጺ ክረክብ ስለዘይክኣለ ኣይተዓወተን ኔሩ።

ደሞክራት'ውን ንሓኪም ጀፍሪስ ብምስያም ክስዕሩ ተቐራሪቦም እኳ እንተበሩ እኹል ድምጺ ክረኽቡ ኣይክኣሉን። ባይቶ ወከልቲ ኣመሪካ 435 ኣባላት ኣለዉዎ።

ኬቨን መካርቲ ኣብ ባይቶ ኣመሪካ ን16 ዓመታት ዘገልገለ ዓቃባዊ ሪፓብሊካን ኮይኑ ናይ ፕረዚደንት ነበር ዶላንድ ትራምፕ ድጋፍ ዘለዉ`ዩ። ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ ኣመሪካ፡ ኣፈጉባኤ ባይቶ፡ ኣብ ስልጣን ፕረዚደንትነት ኣመሪካ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ዝሕዝ'ዩ።

XS
SM
MD
LG