ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ላዕለዋይ ኮሚሽን ሰ/መሰላት ሕ/ሃ ኣብ ክልል ትግራይ ዘጋጥም ዘሎ ጉድኣት ከምዘሻቀሎ ገሊጹ


ወሃቢት ቃል ላዕለዋይ ኮሚሽን ሰ/መሰላት ሕ/ሃ- ራቪና ሻምዳሳኒ
ወሃቢት ቃል ላዕለዋይ ኮሚሽን ሰ/መሰላት ሕ/ሃ- ራቪና ሻምዳሳኒ

ኲናት ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝቀጸለሉ ጊዜ መግለጺ ዘውጸአ ቤት ጽሕፈት ላዕለዋይ ኮሚሽን ሰ/መሰላት ሕ/ሃ ሞትን ሰላማዊያን ሰባት ዒላማ ዝገብረ መጥቓዕቲታትን ከምዘሻቐሎ ኣፍሊጡ።

ወሃቢት ቃል’ቲ ቤት ጽሕፈት ራቪና ሻምዳሳኒ "ከቢድ ምንቅስቃስ ሰራዊት ተሳተፍቲ'ቲ ውግእ ዓሚቕ ሻቅሎት ፈጢሩልና ኣሎ" ትብል።

ትማሊ ሰኑይ መግለጺ ዘውጸአ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሸትኡ ኣብ ክልል ትግራይ ንትሕተ ቅርጽታትን መዕርፎ ነፈርቲን ምቁጽጻር ምኻኑ ገሊጹ ኣሎ።

ንኣርባዕተ ትካላት ረድኤት ዝጠቀሰ ኣሶሴትድ ፕረስ ሰራዊት ኢትዮጵያን መላፍንቱ ሓይልታትን፣ ትማሊ ሰኑይ ንከተማ ሽረ ከምዝተቆጻጸሩ ሓቢሩ ኣሎ።

ትማሊ መግለጺ ዘውጸአ ማእከላይ ኮማንድ መንግስቲ ክልል ትግራይ ብወገኑ ሽረ፣ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር እቶም ልፍንታዊያን ዝበሎም ሓይልታት ምውዳቓ ኣፍሊጡ ኣሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ናብ’ቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክሳለጥ ተወጢኑ ብሰንኪ ሎጂስቲካዊ ጸገማት ዝተዓናቀፈን ልዝብ ሰላም ንክምለስ ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ ይርከብ።

ሰራዊት ኤርትራ፣ ኣብ ጎድኒ ሰራዊት ኢትዮጵያ ይዋግኡ ከምዘለው ዝጠቐሰ ኣሶሴትድ ፕረስ፣ ኣብ ክልልትግራይ፣ ብሰንኪ ሕጽረት ነዳዲን ሳኣን ርክባትን፣ ምክፍፋል ረድኤት ተቛሪጹ ከምዘሎ ጠቂሱ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG