ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ ተወሰኽቲ ከተማታት ይቆጻጸር፣ ማሕበረሰብ ዓለም ሻቕሎቱ ይገልጽ


ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ንምንጭታት መንግስቲ ብምጥቃስ፡ ፈደራላዊ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ንሽረ፡ ኣላማጣን ኮረምን ምቍጽጻሩ ኣፍሊጡ። ብሰንኪ’ቲ ኲናት ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ዝወርድ ዘሎን ክወርድ ዝኽእልን ሓደጋ ብምርዳእ ድማ ሓያሎ መንግስታትን ዓለምለኸ ትካላትን ቅልጡፍ ምቍራጽ ተዅሲ ክግበርን ናብ ሰለማዊ ዘተ ክምለሱን ይጽውዓ ኣለዋ።

ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ዝዀነ ቮልከር ተርክ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ቤት ጽሕፈቶም ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ሲቪላዊ ዕላማታት ዝሃረመ ተደጋጋሚ ደብዳብ ከቢድ-ብረትን ነፈርቲን ምክያዱ፡ ጸብጻብ ክቕበሉ ምጽናሖም ድሕሪ ምግላጽ፡ ምስቲ እናተጋፈሐ ዝመጽእ ዘሎ ግጭት፡ እቲ ቅልውላው ክገድድ ከም ዝኽእል ዘለዎ ሻቕሎት ኣካፊሉ ኣሎ። እቲ ኮሚሽነር ኣብ መግለጺኡ፡ ምስቲ ዘሎ ስእነት መራኸቢታት ነቲ ዝብሃል ምርግጋጽ ከም ዘጸገም እኳ እንተ ገለጸ፡ እቲ ኲናት ህይወት ብዙሓት ሰለማውያን ሰባት ይወስድ ብምህላዉ፡ ኣብቲ ግጭት ዘለዉ ወገናት ንዓለማዊ ስምምዓት ከተግብሩን መሰል ሲቪላውያን ዜጋታት ከውሑስን ኣተሓሳሲቡ።

ብተመሳሳሊ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካን ኤውሮጳዊ ሕብረትን ኣብ ዘውጽኡዎ በበይኑ መግለጺ፡ ነቲ ድሮ ተሃስዩ ዝነበረ ቅልውላው መሊሱ ዘጋድድ ፍጻመታት እናዓበየ ምምጻኡ ኣመና ኣተሓሳሳቢ ምዃኑ ኣስሚሮም። ኵላቶም ወገናት ተዅሲ ደው ኣቢሎም ናብቲ ብኣፍሪቃዊ ሕብረት ዝምእከል ዘተ-ሰላም ክምለሱ ጸዊዖም።

ኣብ ተመሳስሊ ምዕባለ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብመገዲ ኣገልግሎት መራኸቢታት ኣቢሉ፡ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሰለማዊ ህዝቢ ኣብ ዝርከቦ ማእከል ከተማታት ኲናት ከም ዘይገብር ብምምልካት፡ ናብ ሰለማዊ ህዝቢ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብጻሕ’ውን ክሰርሕ ምዃኑ ኣመልኪቱ ኣሎ። እቲ ንኸተማታት ሽረ፡ ኣላማጣን ኮረምን ብዘይ ተዅሲ ምቍጽጻሩ ዘመልከተ መግለጺ፡ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሩ ኣብ ዝኣተዋ ከተማታት ገለ ክፋል ማሕበራዊ ኣገልግሎት ክምለስ ምዃኑ’ውን ኣመልኪቱ ኣሎ።

ላዕለዋይ ወታሃደራዊ እዚ ትግራይ (ሰንትራል ኮማንድ) ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ንሽረን ካልእ ገለ ከባቢታትን ምግዳፉ ድሕሪ ምምልካት፡ ብቐጻሊ ደብዳብ ከቢድ-ብረትን ነፈርቲን ብርክት ዝበሉ ሰለማውያን ሰባት ሞይቶም ኣሽሓት ድማ ምምዝባሎም ኣስፊሩ። እቲ መግለጺ ወሲኹ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ ሰለማዊ ህዝቢ ዝወርድ ዘሎ ኣበሳታት ብምርዳእ፡ ናብ ሰለማዊ ህዝቢ ሰብኣዊ ሓገዝ ከባጽሕ ጸዊዑ።

XS
SM
MD
LG