ፕረ. ማክሮን ኣብ 4 ሃገራት ኣፍሪቃ ምብጻሕ የካይዱ

  • ዜና ቪኦኤ

ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ኣብ ኣርባዕተ ሃገራት ኣፍሪቃ ጋቦን፣ ኣንጎላ፣ ሪፓብሊክ ኮንጎን ዴሞክራቲክ ሪፓብሊክ ኮንጎን ዘካይድዎ ምብጻሕ ትማሊ ረቡዕ ጀሚሮም። ንሶም ኣብታ ኣህጉር ፀረ-ፈረንሳ ኣረኣእያታት እናሓየለ ኣብ ዝመፀሉ ዘሎ እዮም ዑደቶም ዘካይዱ ዘለው።

ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዋና ከተማ ጋቦን ሊብረቪል ዝኣተው ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን ቀፂሎም ናብ ኣንጎላ፣ ሪፓብሊክ ኮንጎን ዴሞክራቲክ ሪፓብሊክ ኮንጎን ከምርሑ እዮም።

ፕረ.ማክሮን ኣብ ኣፍሪቃ ዝበጽሑ ዘለው ብፈረንሳ ይግዝኣ ኣብ ዝነበራ ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ ሩሲያ ፅልዋ እናዓበየ ብምምፅኡ ኣብ ፓሪስ መጠንቀቕታ እናዓበየ ይምፅእ ኣብ ዘለሉ እዋን እዮም።

ማክሮን ዝሓለፈ ሶኑይ ንፖሊሲ ፈረንሳ ኣብ ኣፍሪቃ ብዝምልከት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣብ ጉዳያት ኩነታት ኣየር ሓዊሱ ምስታ ልዕሊ 50 ሃገራት ዝሓዘት ኣህጉር "ሓባራውን ሓላፍነት ዝስምዖን ርክብ’’ ክህልወና እዩ ኢሎም።

ንሶም ወሲኾም "ረብሓና ቀዳማይን ልዕሊ ኩሉን ዲሞክራሲ ከምኡ እውን ቁጠባዊ ምሕዝነት እዩ" ኢሎም። ፈረንሳ ኣብቶም ዝቕፅሉ ኣዋርሕ ወታሃደራታ ካብታ ኣህጉር ከምተጉድል ንተሓበሩ'ውን ተንተንቲ ግን ኣዘዝቲ ሰራዊት ፈረንሳ ሰጋእ መጋእ ይብሉ ኣለው ይብሉ።

ልዕሊ 3,000 ወታሃደራት ፈረንሳ ኣብ ሰኔጋል፣ ኣይቮሪኮስት ፣ጋቦንን ጅቡቲን ይርከቡ። ካልኦት 3,000 ድማ ኣብ ኒጀርን ቻድን ሓዊሱ ኣብ ዞባ ሳሕል ኣለው።

ፕረዚደንት ማክሮን ሎሚ ሓሙስ ኣብ ሰፊሕ ገማግም ሩባ ኮንጎ ሓዊሱ ኣብ ዙሪያ ዓለም ዘሎ ዱራት ንምዕቃብ ኣብ ዝካየድ One Forest Summit ዋዕላ ክሳተፉ'ዮም።

ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ መናእሰይ እታ ሃገር ንባንዴራ ሩሲያ ብምሓዝ ኣብ ዋና ከተማ ኪንሻሳ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ፈረንሳ ንናይ ማክሮን ዑደት ኮኒኖም።

ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ብፈረንሳ ይግዝኣ ኣብ ዝነበራ ማሊን ቡርኪናፋሶን ፀረ ፈረንሳ ተቓውሞታት ተኻይዶም እዮም።

ሩሲያ ፀረ ፈረንሳ ፕሮፖጋንዳ ትነዝሕ ኣላ ክትብል ፈረንሳይ ትኸሳ።

1.62 ሚሊዮን ትርብዒት ኪሎ ሜትር ዝሽፍን ዱር ማእኸላይ ኣፍሪቃ ካብ ኣማዞን ቀፂሉ ኣብ ዓለም እቲ ካልኣይ ዝዓበየ ካርበን ዝስሕብ ዱር እዩ።

ጋቦናዊያን ናይ ማክሮን መገሻ ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት ኣብ ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ንዝሳተፉ ፕረዚደንት ዓሊ ቦንጎ ኦንዲምባ ፖለቲካዊ ድጋፍ ዝህብ እዩ ይብሉ። 64 ዓመት ዝዕድሚኦም ቦንጎ ነዊሕ ካብ ዝገዝኡ ወላዲ ኣቡኦም ኣብ 2019 መዝነት ተቐቢሎም ኣብ መዝነት ይርከብ።

ፕረዚደንት ማክሮን ቀጺሎም ናብ ኣንጎላን ሪፖብሊክ ኮንጎ ክበጽሑ'ዮም። ድሕሪ ፅባሕ ቀዳም ድማ ናብ ዲሞክራቲክ ሪፓብሊክ ኮንጎ ክምርሑ'ዮም።