ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ፈረንሳ ናይ ኣፍሪቃ ዑደቶም ሎሚ ጀሚሮም


ፋይል
ፋይል

ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑወል ማክሮን ንኣርባዕተ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝሽፍን ዑደቶም ሎሚ ጀሚሮም። ፈረንሳ ካብ ሓያሎ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ሰራዊታ ክትስሕብ ኣብ እትግደደሉ ዘላ እዋን’ዮም እዞም ፕረዚደንት ናብ ጋቦን፡ ኣንጎላ፡ ኮንጎ-ኪንሻን ደሞክራዊያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ዝበጽሑ ዘለዉ።

ፕረዚደንት ማክሮን ኣብቲ ጽልዋን ተቐባልነትን ፈረንሳ ኣብ መንጎ ግዝኣታት ነበር ኣመና ይልሕሓሉ ኣብ ዘሎ እዋን’ዮም ነዚ ዑደት ዝፍጽሙ ዘለዉ። ፈረንሳ ብኽቱር ኢድ ኣእታውነት ተቐባልነታ ኣብ መብዛሕትአን ናይ ቀደም ግዝኣታ ይንኪ’ዩ ዘሎ።

ነቲ ዑደት ቅድሚ ምፍላሞም ግን ፕረዚደንት ማክሮን፡ ሃገሮም ኣብ ክልተኣዊ ድምጾ ዝስረት መርገጺ ክትወስድ ምዃና ገሊጾም ነይሮም። እዚ ሓድሽ ምዃኑ ብምምሕዳር ማክሮን ዝንገር ዘሎ፡ ኣብታ ኣህጉር ንዝነበረ ወታሃደራዊ መዓስከራት ገሊኣቶም ናብ ወታሃደራዊ መስልጠኒ ማእከላት ካልኦት ድማ ምስ ዘቤታውያን ኣካላት ብምልፋን እቲ ስራሕ ናብቶም መንግስታት ክምለስ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

ድሕሪ ናይ ነዊሕ ዓመታት ከቢጽ ጽልዋን ኢድ ኣእታውነትን፡ ፈረንሳ ብሓያል ድፍኢት ደቀባት፡ ካብ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ትወጽእ ኣላ። ፈረንሳ መሓዛ መለኽቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ብምዃና ከቢድ ነቕፌታ’ዩ ክበጽሓ ጸኒሑ።

ፈረንሳ ኣብ ዝወጽኣትሉ ግን ከም መተካእታ ናብ ምዕራብ ኣፍሪቃ እትኣቱ ዘላ ሩስያን ዕሱብ ሰራዊት ወታሃደራዊ ጕጅለ ዋግነርን’ዩ። ምትእትታው እዚ ዕጡቕ ሩስያዊ ጕጅለ፡ ስእነት ውሕስነት ጸጥታ ብፈረንሳ ምዃኑ ተንተንቲ ይገልጹ።

ኢማኑወል ማክሮን ቅድሚ ናብ ኣፍሪቃ ምብጋሶም፡ ፈረንሳ በቲ ኣብ ማሊ ዘጋጥም ዘሎ ስእነት ጸጥታ ተሓታቲት ዘይምዃናን ኣብቲ ጉዳይ ኢድ ከም ዘይብላን ጠቒሶም ነይሮም።

XS
SM
MD
LG