ፈደራል ቤት ፍርዲ ዓቓቢ ሕጊ ኣብ ናይ ወርሒ ሰነ ሰልፊ መጥቓዕቲ ቦምብ ንዝተጠርጠሩ ክሲ ክምስረት ፍቓድ ሂቡ

  • መለስካቸው ኣምሃ
    ገብረ ገብረመድህን

ፈላማይ ደረጃ ፈደራል ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ተረኛ መጋባእያ ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ንቀዳማይ ሚንስተር አብይ አሕመድ ዝተኻየደ ናይ ደገፍ ሰልፊ መጥቃዕቲ ቦምብ ፈጺሞም ተባሂሎም ኣብ ልዕሊ ዝተጠርጠሩ ሰባት ክሲ ክምስርት ፈቂዱ።

ኮሚሽን ፖሊስ ከተማ አዲስ አበባ ምኽትል ኮሚሽነር ሓዊሱ ናይ ካልኦት መኮንናት ፖሊስ ጉዳይ ዋሕስ ንምውሳን ጽባሕ ቆጸራ ሂቡ’ሎ።

ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ ጥላሁን ጌታቸው ዝተባህለ ተጠርጣሪ ቦምብ ብምትኳስ ብርሃኑ ዳፍር ከአ ነቲ ቦምብ ንጥላሁን ብምሃብን ካልኦት ተጠርጠርቲ ነቲ ቦምብ ብመኪና ናብ መስቀል አደባባይ ብምጉዓዝ ተኸሲሶም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ፈደራል ቤት ፍርዲ ዓቓቢ ሕጊ ኣብ ናይ ወርሒ ሰነ ሰልፊ መጥቓዕቲ ቦምብ ንዝተጠርጠሩ ክሲ ክምስረት ፍቓድ ሂቡ