ጸብጻብ፤ ዘተ ላዕለዎት ልኡኻት ምስ ህዝቢን ተወከልቲን ከተማ መቐለ

Your browser doesn’t support HTML5

ትማሊ ኣብ ከተማ መቐለ ናይ ሓደ መዓልቲ ናይ ስራሕ ምብጻሕን ዳህሳስ ምክያድን ዝገብረ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣማስያኡ ንኣዲስ-ኣበባ ቅድሚ ምምላሱ፡ ንዳግም ምኽፋት መሰረታዊ ኣገልግሎታት ዝምልከት ምስ በበይኖም ወገናት ዝርርብ ኣካዪዱ ነይሩ። ብዛዕባ’ቲ ኣብ ቀረባ እዋናት ክጅምር ዝቀራረብ ዘሎ ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ካልእ ኣብቲ ሓባራዊ ዝርርብ ዝተላዕሉ ጉዳያት ኣጣሚሩ ዝምልከት ዝተዳለወ ጸብጻብ ኣብዚ ምክትታል ይክኣል።