ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀዳመይቲ በረራ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ መቐለ ኣትያ


ንልዕሊ ዓመትን ሽዱሽተ ኣዋርሕን ተቛሪጹ ዝጸንሐ ንግዳዊ በረራ መቐለ ኣዲስ-ኣበባ ሎሚ ረቡዕ ብዝኣተወት ቀዳመይቲ ነፋሪት ጀሚሩ ኣሎ። እዛ 138 ተጓዓዝቲ ሒዛ ሎሚ መቐለ ዝኣተወት ንብረት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝኾነት ነፋሪት፡ መብዛሕትኦም ምስ ስድራቤት ተፈላልዮም ዝጸንሑ ኣጋይሽ ሒዛ ምምጻኣ ተፈሊጡ ኣሎ።

ምጅማር እዛ በረራ፡ ምስ ምምላስ መሰረታዊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣብቲ ክልል ተኣሳሲሩ ዝመጽአን ከም ኣካል’ቲ ብኽልተ ወገናት ዝተረፈመ ስምምዕን’ዩ።

ናብ መቐለ ስሩዕ በረራ ክትምጅር ምዃና ትማሊ ዝገለጸ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ትካል መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣቶ መስፍን ጣሰው፡ መጠንን ብዝሒን ካብን ናብን መቐለ ዝህሉ በረራታት ምስ ብዝሒ ተገልግለቲ ዝውሰን ኰይኑ፡ ኣብ መጀመሪ ግን ንመዓልቲ ሓንቲ በረራ ተሰሪዑ ከም ዘሎ ኣመልኪቱ ነይሩ።

XS
SM
MD
LG