ዝኽሪ ዝወደቐት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍደገ ሚንስትሪ መጉዓዝያ ኣሜሪካ

Your browser doesn’t support HTML5

ስድራቤታት ግዳያት ዝወደቐት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንዝክሪ ሽዱሽተ ወርሒ ምውዳቕ’ታ ነፋሪት ምክንያት ብምግባር ኣብ ኣፍደገ ሚንስትሪ መጉዓዝያ ኣሜሪካ ስነ ስርዓት ሽምዓ አካይዶም። ካብ አዲስ አበባ ተበጊሳ ናብ ኬንያ ትበርር ዝነበረት ነፋሪት ካብ ትብገስ ድሕሪ ሽዱሽተ ደቓይቕ ኣብ ከባቢ ቢሾፍቱ ወዲቓ ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ 157 ሰባት ኩላቶም ምሟቶም ይዝከር።