ኤርትራ: ዝተአስሩ ጋዜጠኛታት ክሳብ ሕጂ ተዳጒኖም ይርከቡ

Your browser doesn’t support HTML5

ገጣሚትን ጋዜጠኛን ይርጋአለም ፈሰሃ ንንቡር መስርሕ ህይወታ ዝቐየረት መዓልቲ ፈጺማ አይትስዓን እያ። ለካቲት 19, 2009 - ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ሬድዮ ባና ምዱብ ስርሓ ተካይድ ከምዝነበረት፡ሰዓት 4 ድሕሪ ቐትሪ ምስ ኾነ ላዕለዎት ሓለፍቲ’ቲ መደበር ሬድዮ ሃንደበት ኣኼባ ከምዝጸውዑ፡ ቀጺሎም ወታሃደራዊ ዩኒፎርም ዝተኸደኑ ወታሃደራት ነቲ ቀጽሪ ከቢቦም ልዕሊ 30 ጋዜጠኛታት ምእሳሮም ይርገኣለም ንድሕሪት ተመሊሳ ትዝክር።