ኣብ ቶለ ዘጋጠመ መጥቓዕቲ ህጻናት ግዳያት ከምዝርከብዎም ነበርቲን ዝተፈላለዩ አካላትን ገሊጾም

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ወረዳ ግምቢ ጣቢያ ቶሌ ቅድሚ 10 መዓልታት ብዝተፈፀመ ዘስካሕክሕ መጥቓዕቲ ካብ ዝተቐትሉ ሰላማዊያን ሰባት ህፃናት ከምዝርከቡዎም መሰኻኽር ዓይኒ ዝኾኑ ነበርቲ፣ስድራቤት ግዳያትን መራሕቲ ሃይማኖትን ሓቢሮም።

ነበርቲ ወለዶም ካብ ዝሰኣኑ ህፃናት ናይ 10 መዓልቲ ህፃን ይርከቡዎም ይብሉ።ሓደ ሽሞም ክግለፀሎም ዘይደልዩ ወሃቢ ርእይቶ ወለዶም ብሞት ዝሰኣኑን ኣበይ ከምዘለው ዘይፍለጥን ዝተበተኑ ብዝሒ ቆልዑ ብኣማኢት ከምዝግመቱ ሓቢሮም።

ኩሎም ህፃናት ህፁፅ ረድኤት መግቢ ከምዝድልዮም ብምግላፅ ንትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ጻውዒቶም ኣቕሪቦም።

እዚ ከምዚ ኢሉ ኣናሃለወ ኣብ ዝተፈላለዩ ዩኒቨርስታት እታ ሃገር ዝርከቡ ተማሃሮ ተወለድቲ ብሄረ ኣምሓራ ነቲ መጥቓዕቲ ኮኒኖም ።