ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መሰኻኽር ዓይኒ ኣብ ቶለ ንዘጋጠመ መጥቓዕቲ 'ደም ምፍሳስ'ዩ' ክብሉ ይሕብሩ


መብዛሕቲኦም ተወላዶ ኣምሓራ ዝኾኑ ኣማኢት ሰባት ኣብዚ ወርሒ`ዚ ኣብ ክልል ኦሮምያ ከምዝተቐትሉ መሰኻኽር ይገልጹ`ለዉ። ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ማሕበር ተወላዶ ኣምሓሩ ንኣሾሸይትድ ፕረስ ከም ዝሓበሮ እንተኾይኑ፡ እቶም ኣብ ጦለ ዝተባህለት ቁሸት ዝተቐትሉ ልዕሊ 500`ዮም።

ብኸቢድ ዝዓጠቑ ሰባት ንሓንቲ ንእሽቶ ዓዲ ድሕሪ ምኽባብ ብኣድራጋ ጠያይት ሰባት ክርሽኑ ምጅማሮም ካብቲ መጥቃዕቲ ዘምለጡ ይገልጹ። ኑር ሑሴን ኣብዲ ክዛረብ ከሎ፡ እቶም ዕጡቓት መጀመርያ ከምዘይትንክፉና ነጊሮምና፡ ናብ ሓደ ምስ ኣከቡና ግን ብዘይምሕረት ምርሻን ጀሚሮም ይብል። ኑር ሑሴን ካብቲ ምሕረት ኣልቦ ዝኾነ ጭፍጨፋ ናብ ናሕሲ ገዛ ብምድያብ ከምዘለጠ ይገልጽ።

እቲ ቕትለት ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝተራእየ ዝኸፍአ ጃምላዊ ቕትለት ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ። ዝሓለፈ ሰነ 18,2022 ኣብ ጦለ ትብሃል ቁሸት ኦሮምያ ዝተራእየ ቅትለት ኣብታ ካብ ኣፍሪቃ ብብዝሒ ህዝቢ ካልአይቲ ዝኾነት ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ዳሕራዋይ ዓሌታዊ ጎንጺ`ዩ ።

ዝተፈላለዩ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ንኣሾሸይትድ ፕረስ ከምዝሓበርዎ፡ኣብኡ ዝወደቐ ሬሳታት ገሊኡ ዛጊት ኣይተላዕለን። ገሊኡ ድማ ኣብ ጃምላዊ መቓብር ክቕበር ተገይሩ`ሎ። መሓመድ ከማል ዝተባህለ ካልእ ምስክር 430 ሰባት ክቕበሩ ከምዝረኣየ ይምስክር። “ሕጻናትን ደቂንስትዮን ዝርከብዎም ተቐቲሎም” ይብል ። ገሊኦም ኣብ ዝተሓብእሉ መስጊድ ከይተረፈ ተቐቲሎም ክብል የስዕብ።

ማሕበር ተወላዶ ኣምሓሩ ኣመሪካ ድማ እቲ ቁጽሪ ግዳያት 503`ዩ ይብል። ነበርትን ሰበ-ስልጣን ኦሮሚያን፡ ነቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ መዝገብ ግብረ ሽበራ ዝኣተወ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ`ዮም ተሓታቲ ዝገብሩ። ወሃቢ ቓል`ቲ ዕጡቕ ጉጅለ ብወገኑ ንዕኡ ብምንጻግ፡ ሰራዊት ፈደራልን ምልሻታት`ቲ ክልል`ዮም ደገፍቲ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ኢኹም ኢሎም ኣጥቂዖሞም ይብል።

ኢትዮጵያውያን ግን ፈደራል መንግስቲ ስለምንታይ ካብ ከምዚ ዝበለ ዓሌታዊ ቕትለት ከድሕኖም ዘይክኣለ ክብሉ ምሕታቶም ቀጺሎም ኣለዉ። ህቡብ ኢትዮጵያዊ ደራፋይ ቴዲ ኣፍሮ ኣብ ኣብዚ ሰሙን`ዚ ክልተ ደርፊ ኣውጺኡ`ሎ፡፡ ብዛዕባ ኣብዚ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ዝተራእየ ቅልውላው ብምጉላሕ ንደርፍታቱ ነቶም ህይወቶም ዝሰኣኑ ኣወፍዩ`ሎ። ካብ ግጥምታቱ ሓደ “ ኣብ ቅድመይ ክንዲ ጎቦ ዝኸውን ሞት እናሃለወ ስቕታ ተመራጺ ኣይኮነን" ይብል።

ዝሓለፈ ዓርቢ ኣሸሓት ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ ጎንደር ነቲ ዝተፈጸመ ቕትለት ብምኹናን፡ ሰልፊ ወጺኦም:ፍትሒ ጠሊቦም ኔሮም።

ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ሓይልታት ጸጥታ ኣንጻር`ቶም ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ዝተባህሉ ዕጡቓት ወተሃደራዊ ስጉምቲ ይወስዱ ምህልዎም ኣፍሊጡ`ሎ። ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ግን ይጠራጠሩ፡ ምኽንያቱ ቅድሚ ሎሚ`ውን ዕንክሊል ጎንጺ ስለዝርኣዩ።

ፕረዚደንት ክልል ኦሮምያ ሺመልስ ኣብዲሳ ዝሓለፈ ሓሙስ ክዛረብ ከሎ፡ ኣብ ነብስወከፍ ቦታ ሓለዋ ጸጥታ ምቕማጥ ኣጸጋሚ`ዩ እንተኾነ ግን እዚ ዝውሰድ ዘሎ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ፡ ነቶም ዕጡቓት “ካብ ቦታ ናብ ቦታ ንኸይንቀሳቐሱ ከልምሶም`ዩ” ኢሉ።

ብብዝሒ ህዝቢ ካልኣይ ደረጃ ዝሕዙ ተወላዶ ኣምሓራ ንዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ኣብቲ ውሕዳን ኮይኖም ዝነብርሉ ክልላት ቤንሻንጉል ጉምዝን ኦሮሚያን ብብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ተቐቲሎም`ዮም።

ተሓላቒ ኮሚኒቲ ተወላዶ ኣምሓራ ሙሉቀን ተስፋው “ካብ ክልሎም ወጻኢ ዝነብሩ ተወላዶ ኣምሓራ ጸጥትኦም ዝሕሉ ፖለቲካዊ ኮነ ሕጋዊ ውክልና የብሎምን” ይብል። ብሰበ-ስልጣን ክልል ኦሮምያ ከይተረፈ ኣብ ክልሎም ኣምሓርኛ ዝዛረቡ ሰባት ንምጉዳል ከምዝደልዩ ይዝረብ`ዩ ክብል የስዕብ። በለጠ ሞላ ዝተባህለ መራሒ ሓደ ተቓዋሚ ፓርቲ ድማ፡ ኣብ ገዛኢ ፓርቲ ኦሮምያ ምስ ሰራዊት ሓርነት ኦሮምያ ዝደናገጹ ኣባላት ኣለዉ ክብል ይከስስ።

ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ሚሸል ባቸለት፡ ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ ነቲ ቅትለት ብዝቐልጠፈን ዘይሻራውን ምጽራይ ክገብርሉ ጸዊዓ`ላ። ሚንስትሪ ወጻኢ ኣመሪካ `ውን፡ ኢትዮጵያውያን ጎንጺ ክነጽጉን ሰላም ክደልዩን ጸዊዑ`ሎ።

ኢትዮጵያ ብዘይካ'ቲ ብቕልጡፍ ዝዓቢ ዝነበረ ቁጠባኣ ዘሰናኸለ ኩናት ክልል ትግራይ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባብታት ዝርኣይ ዓሌታዊ ግጭታት`ውን የሳቕያ`ሎ። ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ግን፡ ሕጂ`ውን ዝበለጹ መዓልታት ኣብ ቅድሚኡ ከምዘለዉ`ዩ ዝገልጽ። ንሱ ኣብዚ ወርሒ`ዚ ንፓርላማ ሃገሩ ክዛረብ ከሎ “ ኢትዮጵያ ኣብ ጎደና ብልጽግና ከምዘላ ዘጠራጥር ኣይኮነን” ኢሉ። ካብቲ ናይዚ ወርሒ`ዚ መጥቃዕቲ ዝደሓኑ ኢትዮጵያውያን ግን መልሲ ይጽበዩ`ለዉ። ነባሪ ቁሸት ጦለ ኑር ሑሴን፡ "ብኣምላኽ ነዚ ግዜ ክንሓልፎ ተስፋ ንገብር፡ ግን ንዘለኣለም ምሳና ከይነብር የፍርሕ`ዩ" ይብል።

XS
SM
MD
LG