መቐለ —
ኣስታት 60 ኣምባሳደራትን ልኡኻትን ዝተፈላለያ ሃገራትን ትማሊ ረቡዕ ናብ ክልል ትግራይ ብምብጻሕ: ኣብ ከተማ መቐለ ድማ ምስ ግዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ተመያይጦም።
እቶም ኣምባሳደራትን ልኡኻትን ከተማ መቐለ ኣብ ዝኣተዉሉ እዋን ትግራይ ሕጂ`ውን ኣብ ጸገም`ያ ዘላ ዝብሉ ትካላት ንግድን ትራስፖርትን ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ ጌሮም ኔሮም። ሎሚ ግን ምንቅስቓስ ከተማ መቐለ ናብ ንቡር ተመሊሱ ምውዓሉ ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ካብታ ከተማ ሓቢሩ'ሎ።
Your browser doesn’t support HTML5
ኣስታት 60 ኣምባሳደራትን ልኡኻትን ዝተፈላለያ ሃገራትን ኣብ ክልል ትግራይ ምብጻሕ አካይዶም