ቦይንግ ተቖጻጸርቲ ኣደናጊርካ ዝብል ንዝቐረበሉ ክሲ ይነጽግ

  • ዜና ቪኦኤ

ፋይል

ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ፋብሪካ ነፈርቲ ቦይንግ፡ ብዛዕባ ምሕምሻሽ 737 ማክስ ዝዓይነተን ነፈርቱ ንተቆጻጸርቲ ኣዳናጊርካ ዝብል ዝቐረበሉ ክሲ ገበነኛ ኣይኮንኩን ኢሉ።

ቦይንግ ብዛዕባ`ተን ኣብ 2018ን 2019 ዝተሓምሸሻ ነፈርቱ ዝቐረበሉ ክሲ፡ እተን ነፈርቲ ዝነበረን ናይ ዲዛይን ጉድለት ሓቢእካ ዝብል ኮይኑ ቦይንግ ግን ዝሓባእክዎ ነገር የለን በሃላይ`ዩ።

ነቲ ክርክር ዝርኢ ዘሎ ዳኛ ድማ ንውሕስነት ድሕነት ቦይንግ ዝምርምር ፍሉይ ተቖጻጻሪ ክቐውም ዘድሊ እንተኾይኑ ውሳነ ክህብ ይዳሎ`ሎ።

ኣባላት ግዳያት ምሕምሻሽ`ተን ነፈርቲ፡ ኣብ መንጎ ሚንስትሪ ፍትሒን ቦይንግን ኣቐዲሙ ዝተበጽሐ ስምምዕ ውዱቕ ክኸውን ይሓቱ`ለዉ።

ቦይንግ ድሕሪ`ቲ ምስ ሚንስትሪ ፍትሒ ዝገበሮ ስምምዕ፡ ንግዳያት`ተን ኣብ ኢትዮጵያን ኢንዶነጅያን ዝተሓምሸሻ ነፈርቲን ካሕሳ ክህብ ሓደ ማዕከን ገንዘብ ኣቑሙ ኔሩ`ዩ: እንተኾነ ከሰማምዕ ኣይክኣለን።