ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሃገራዊ ቦርድ ድሕነት መጎዓዚያ ኣመሪካ ንጸብጻብ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ዝወደቐት ነፋሪት ቦይንግ ይነጽግ


ፋይል
ፋይል

ሃገራዊ ቦርድ ድሕነት መጎዓዚያ ኣመሪካ ኢትዮጵያ ኣብ መጋቢት 2019 ንዘጋጠመ ሓደጋ ምሕምሻሽ ቦይንግ 737 ማክስ ዝምልከት ዘቕረበቶ ሪፖርት ብምንቃፍ መርመርቲ ብቅዓት ሰራሕተኛታት በረራ ብዝግባእ ኣይርኣዩን ክብል ትማሊ ሰሉስ ኣፍሊጡ።

ኣደ መንበር'ቲ ቦርድ ጀነፈር ሆመንዲ ምስ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ኣብ ዘካየደቶ ቃለ ምልልስ ናይ ኢትዮጵያ ቤት ጽሕፈት መርመ ነፈርቲ ኣብ ፀብፃቦም ጌጋ ፈፂሞም ኣለው ኢላ።

"ኣብ ኩነታት ኣሰራርሓ ናይቶም ሰራሕተኛታት በረራ ብዕሙቐትን ብዝግባእ ድሉዋት ምዃኖምን ዝመርመሩ ኮይኖም ኣይተሰመዐናን:ክንዲ'ቲ ክኸውን ዝግብኦ ሰፊሕን ዕቱብን ኮይኑ ኣይተሰምዐናን’’ ኢላ።

ቦይንግ 737 ማክስ ኣብ 2018 ኣብ ኢንዶኖዢያ ኣብ 2019 ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ብዘጋጠመ ምሕምሻሽ እተን ነፈርቲ ን20 ኣዋርሕ ጠጠው ክብላ ብምግዳደን ቦይንግ 20 ቢሊዮን ዶላር ክኸስር ገይሩዎ እዩ።ቦይንግ ነዚ ዜና ርእይቶ ንምሃብ ፍቓደኛ ኣይኮነን።

ናይ ኢትዮጵያ መንገዲ ኣየር ዝኾነት ቦይንግ 737 ማክስ ኣብ 2019 ኣብ ጥቓ ከተማ ደብረዘይት ተሓምሽሻ ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ ኹሎም ተሳፈርታ 157 ሰባት ምሟቶም ይዝከር።

XS
SM
MD
LG