ቃለ መጠይቕ ምስ ተዓዋቲ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ 2023 ሄኖክ ሙሉብርሃን

Your browser doesn’t support HTML5

ተዓዋቲ ቅድድም ብሽክለታ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ 2023 ኤርትራዊ ሄኖክ ምሉብርሃን ኣብቲ ኣብ ከተማ ኣክራ ጋና ዝተኻየደ ውድድር ምስ ተቀዳደምቲ ሃገራዊት ጋንታ ኣልጀርያ ህልኽ ዝመልኦ ውድድር ምክያዱ ብምግላጽ፡ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክብረ-ወሰኑ ንምዕቃብ ግን ድርብ ሓላፍነት ብምሓዝ ክዕወት ምኽኣሉ ምስ ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝገበሮ ፍሉይ ቃለ-መሕትት ሓቢሩ።