ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሄኖክ ምሉእብርሃን ዕዉት ሳልሳይ መድረኽ ዙር ሩዋንዳ 2023 ኰይኑ


ኣስታት 200 ኪሎ-ሜተር ዝሸፈነ ሳልሳይ መድረኽ ዙር ሩዋንዳ፡ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ዝተቓንዓሉ፡ ኤርትራዊ ተጻዋቲ ጋንታ ግሪን ፕሮጀክት ሄኖክ ምሉእብርሃን ቀዳማይ ብምውጻእ ናይ መድረኽ ብጫ ማልያ ካብቲ ንኽልተ መዓልታት ለቢሱዋ ዝቐነየ ኢታን ቬርኖን ተረኪቡዋ ኣሎ።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ሳልሳይ መድረኽ ወዲ፡ጋንታኡ ንኢታን ቬርኖን ዝዀነ በልጅማዊ ዊልያም ሉሰርፍ ካብ ሶዳል ኲክ-ስቴፕ ካልኣይ ክወጽእ እንከሎ፡ ዩክሬናዊ ተጻዋቲ ክለብ ተረንጋኑ ፖልይጎን (Terengganu Polygon) ዝዀነ ኣናቶሊ ቡድያክ ድማ ሳልሳይ ወጺኡ።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ሳልሳይ መድረኽ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ዳዊት የማነ (ክለብ ባይክ ኣይዳ) ሻድሻይ ክወጽእ እንከሎ፡ ምስ ክለብ ተረንጋኑ ፖልይጎን ዝጥርነፍ መትከል ኢዮብ ድማ ሻውዓይ ወጺኦም ኣለዉ።

ብዓለምለኸ ኮሚተ ብሽኽለታ ናይ 2.1 መዐቀኒ ዘለዎ ዙር ሩዋንዳ ንሓያሎ ዓበይቲ ክለባት ዘሰለፈ ውድድር’ዩ። ኣብ ዙር ፍረንሳይ ኣርባዕተ እዋን ዝተዓወተ ክሪስ ፍሩም’ውን ምስ እስራኤላዊት ጋንታኡ ተሰሊፉ ይወዳደር ኣሎ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ሳልሳይ መድረኽ ክሪስ ፍሩም መበል 22 ወጺኡ ኣሎ።

ኣብዚ ዙር ኤርትራ ንሃገራዊት ጋንታ ዝውክሉን ምስ ክለባቶም ዝስለፉን ብድምድሩ ትሽዓተ ተቐዳደምቲ ኣለዉ። ካብ መንጎኦም ድማ ተዓዋቲ ዙር ሩዋንዳ 2010 ዝዀነ ዳኒኤል ተኽለሃይማኖት ይርከቦም።

XS
SM
MD
LG