ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀዳማይ መድረኽ ዙር ሩዋንዳ፤ ኢታን ቬርኖን ኣብ ዝተዓወትሉ፡ ሄኖክ ምሉእብርሃን ሳልሳይ ወጺኡ


ንተዓዋቲ ኣርባዕተ ዓመታት ዙር ፍራንስ (ቱር ዲ ፍራንስ) እንግሊዛዊ ክሪስ ፍሩምን ካልኦት ዓበይቲ ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ዓለምናን ዝሓዘለ ዙር ርዋንዳ ሎሚ ሰንበት ኣብ ዘቃንዖ ፈላሚ ውድድር፡ እንግሊዛዊ ተሰላፊ ክለብ ሱዳል ኲክ-ስቴፕ ዝዀነ ኢታን ቬርኖንን ቀዳማይ ክወጽእ እንከሎ፡ ፈረንሳዊ ተሰላፋይ ጋንታ ቶታል ኢነርጂስ ኢሚልየን ጀኔር ካልኣይ፣ ንጋንታ ግሪን ፕሮጀክት ወኪሉ ዝተሰለፈ ኤርትራዊ ሄኖክ ምሉእብርሃን ድማ ሳልሳይ ወጺኦም። ሄኖክ ምሉእብርሃን ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ጋና ዝተቓንዐ ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ተዓዋቲ ዝነበረ’ዩ።

ኣብዚ ውድድር ብድምሩ፡ ንጋንታታቶምን ንሃገራዊት ጋንታን ወኪሎም ትሽዓተ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ይሳተፉ ኣለዉ።

ኣብቲ ብዓለምለኸ ኮሚተ ብሽኽለታ 2.1 መዕቀኒ ብቕዓት ዘለዎን ሎሚ ሰንበት 115 ኪሎ-ሜተራት ዝሸፈነ ውድድር፡ ንኤርትራ ወኪሎም ዝስለፉ ሄኖክ ሃብተኣብ ሓሙሻይ ክወጽእ እንከሎ፡ ኣኽሊሉ ኣረፋይነ ድማ ዓስራይ ኰይኑ ውድድሩ ዛዚሙ።

ንእስራኤላዊት ጋንታ ፕሪመር ቴክ ዝስለፍ፡ ዕዉት ዙር ፍራንስ ክሪስ፡ ኣብዚ ናይ ሰንበት መኽፈቲ ውድድር መበል 44’ዩ ወዲኡ። ዕዉት ናይ ሓደ መድረኽ ዓቐብ ውድድር ፍራንስ 2015 ኤርትራዊ ዳኒኤል ተኽለሃይማኖት’ውን ንጋንታ ኤርትራ ወኪሉ ይወዳደር ኣሎ። ኣብዚ ናይ ትማሊ ሰንበት ቀዳማይ መድረኽ ድማ መብል 72 ኰይኑ ውድድሩ ወዲኡ። ዳኒኤል ተኽለሃይማኖት ዕዉት ዙር ሩዋንዳ 2010’ዩ ነይሩ።

XS
SM
MD
LG