ቃለ መጠይቕ ምስ ደራሲ መጽሓፍ 'ዘይጽንቀቕ ዓቕሊ' - 2ይ ክፋል

  • ተወልደ ወልደገብረኤል

'ኤም ሲ ኤስ' ተባሂሉ ዝፍለጥ ትካል ዘመናዊ ትምህርቲ ብርሕቐት፥ ኣብ ኢትዮጵያ: ኤርትራ፡ ኬንያ ዓዲ እንግሊዝን ኣብዚ ኣብ ኣመሪካን ጨንፈራት ከፊቱ ዝንቀሳቐስ ትካል ትምህርቲ'ዩ።

ኣብ ኮምፒተር፡ ቋንቋ እንግሊዝ፡ ምሕደራን ካልኦት ሞያታትን ኣተኩሩ ድማ ይነጥፍ።

ቀንዲ ወናኒ ኤም ሲ ኤስ ኣቶ እዮብ ሃብተማርያም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዓለም በቃኝ ንሸሞንተ ዓመት ዝተኣስረ'ዩ። ሕሳስ ልደ ጓሎም ፥ 'ዳውን ሲንድሮውም' ተባሂሉ ዝፍለጥ ጉድለት ምዕባለ ኣእምሮ ስለዘጋጠማ ድማ ህይወቶም ተወሳኺ ፈተና ገጠሞ።

እንተኾነ ብዘይ ጽንቀቕ ዓቕሊ ሰጊርናዮ ይብሉ ኣብ ህይወቶም ተመርኩሶም መጽሓፍ ዝጸሓፉ ኣቶ እዮብን ወዶም ቶማስን።

ካልኣይ ክፋል'ቲ ቃለ መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::

Your browser doesn’t support HTML5

ቃለ መጠይቕ ምስ ደራሲ መጽሓፍ 'ዘይጽንቀቕ ዓቕሊ' - 2ይ ክፋል


ኣብ ርእሲ'ዚ ንምርኣይ ቃለ መጠይቕ ምስ ደራሲ መጽሓፍ 'ዘይጽንቀቕ ዓቕሊ'