ምዕጻው ዶብ ኢትዮ-ኤርትራ ተፈጢሩ ዝነበረ ተስፋ ምዝሕታሉ ነበርቲ ከተማ ዛላምበሳ ይገልጹ

Your browser doesn’t support HTML5

ተክሊት ኣማረ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንኣስታት 20 ዓመታት ዝጸንሓ ኹናት ዝሓለፈ ዓመት ብስምምዕ ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነት ድሕሪ ምዝዛሙ ናብታ ተወሊዱ ዝዓበየላ ከተማ ዛላምበሳ ብምምጻእ ‘ሰላምን ፍቕን’ ተባሂላ ትጽዋዕ ካፈ ከፊቱ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ሓደ ዓመት ድሕሪ ምክፋት ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተኽሊት ካፈኡ ብዝሒ ዓማዊል ከምዘይብሉን ዝነበረ ተስፋ ምጥፍኡን ይገልጽ።