ምትሓዝ ኣሰጋጋሪ ሰባት ኪዳነ ዘካርያስ ስለምንታይ ዝያዳ የገድስ?

Your browser doesn’t support HTML5

ብፖሊስ በበይነን ሃገራት ክድለ ዝጸንሐ ኣሰጋጋሪ ሰባት ኪዳነ ዘርካርያስ ኣብ ሱዳን ተታሒዙ ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ተረኪቡ ኣሎ። ኪዳነ ኣቐዲሙ’ውን ኣብ ኢትዮጵያ ተኣሲሩ ዝነበረ ኰይኑ ኣብ 2021 ካብ ቤት ማእሰርቲ ሃዲሙ ዘምለጠ’ዩ። ንምዃኑ ኪዳነ ስለምንታይ’ዩ ክሳብ ክንድዚ ተደላዪ ዝኸውን? ግዳያቱ’ከ ሕጂ እንታይ ክረኽቡ ይኽእሉን ካልእ ምስቲ ኣርእስቲ ተኣሳሲሩ ዝለዓለ ጉዳያትን ንኸተብርሃልና ነቲ ጉዳይ ብቐረባ እትከታተል ሜሮን እስቲፋኖስ ኣዘራሪብናያ ኣሎና።