ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ፍርዲ ኔዘርላንድስ ንጉዳይ “ወሊድ” ምስማዕ ጀሚሩ


ቤት ፍርዲ ኔዘርላንድስ ንጉዳይ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ተኸሲሱ ኣብ ቀይዲ ዘሎ ኤርትራዊ ተወልደ ጎይትኦም (ወሊድ) ሎሚ ሰሉስ ክሰምዕ ምጅማሩ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ኣመልኪቱ።

“ወሊድ” ብዝብል መጸውዒ ስሙ ዝያዳ ዝፍለጥ ተወልደ ጎይትኦም፡ ዝሓለፈ ዓመት’ዩ ኣብ ኢትዮጵይ ድሕሪ ምትሓዙ ናብ ፖሊስ ኔዘርላንድስ ተረኪቡ።

ጥርጡር ብመገዲ ተርጓሚ ኣቢሉ ካብ ዘለዎ ዝተባህለ ስፍራ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ዝደለ ሰብ ንሱ ዘይምዃኑን ግዳይ ግጉይ መንነት ምዃኑን ኣመልኪቱ። ፖሊስ እታ ሃገር ግን ንሱ ምዃኑ ምሉእ ጭብጢ ከም ዘለዎም መጒቶም።

ብብዙሓት ግዳያት ኣብ ኔዘርላንድስ ክሲ ምስ ተመስረተሉ ዝሓለፈ ዓመት ናብታ ሃገር ዝተረከበ ወሊድ፡ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት፡ ሞት፡ ጾታዊ ዓመጽን ካልእ ግፍዒታትን ምዝራፍ ገንዘብን ይኽሰስ።

ምስቲ ኣብ ሓድሽ ዓመት ኣብ ሱዳን ዝተተሓዘ ጥርጡር ኣሰጋጋሪ ኪዳነ ዘካርያስ ሃብተማርያም፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ መርበብ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ዝግበር ስርሒት ዓቢ ዓወት ምዃኑ ኣኽባር ሕጊ እቲ ቤት ፍርዲ ጠቒሱ።

XS
SM
MD
LG