ምብታኽ ዝምድና ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ክልል ትግራይ ካብ ኢትዮጵያ ስለምንታይ?

Your browser doesn’t support HTML5

ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ክልል ትግራይ፡ ምስ ጠቕላሊ ቤት-ምኽሪ እስልምና ኢትዮጵያ ዝነበሮ ዝምድና ከም ዝበተኸ ኣፍሊጡ ኣሎ። እቲ ቤት ምኽሪ ናብ’ዚ ውሳነ’ዚ ዝበቅዐ ድሕሪ ትማሊ ሰኑይ ዘካየዶ ኣኼባ ከምዝኾነን፣ ደጊም ናጻ ኮይኑ ከምዝሰርሕን ገሊጹ።