ሕ/ሃ: ነዳዲ ካብታ ኣብ ገማግም የመን ንነዊሕ ዓመታት ዝተዓሸገት መርከብ ንምግዓዝ ኣብ ስምምዕ ምብጽሑ ሓቢሩ

  • ተወልደ ወልደገብረኤል

ኤፍ.ስ.ኦ ሴፈር (FSO Safer) ተባሂላ ትጽዋዕ ዓባይ መርከብ

ሕቡራት ሃገራት ካብታ ኣብ ወሰን ባሕሪ የመን ንነዊሕ ዓመታት ተዓሺጋ ዝጸንሓት መርከብ፡ ነዳዲ ናብ ካልእ ከገዓዕዝ ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሐ ኣፍሊጡ። ብሰንኪ ምጉዳል ጽገና እታ መርከብ ግዙፍ ዓቐን ዘለዎ ነዳዲ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ፈሲሱ ብከላ ከይፈጥር ዓለምለኸ ሻቕሎት ፈጢሩ`ሎ።

ሓላፊ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት ማርቲን ግሪፍስ፡ እቲ ሓዲሽ ምዕባለ ትማሊ ሰሉስ ናብ ባይቶ ጸጥታ ከምዝተመርሐ ኣፍሊጡ`ሎ። እንተኾነ እቲ ስራሕ ምግዕዓዝ ነዳዲ መኣስ ከምዝጅመር ኣይሓበረን።

እታ ኤፍ.ስ.ኦ ሴፈር (FSO Safer) ተባሂላ ትጽዋዕ ዓባይ መርከብ ካብ 1980`ታት ጀሚራ ኣብ ባሕሪ የመን ካብ ወደብ ግዝኣት ሖደይዳ ትሸዓተ ኪ.ሜ ርሒቓ ትርከብ ክትከውን ከላ፡ ኣብዚ ሰዓት`ዚ 1.1 ሚልየን በርሚል ነዳዲ ሒዛ ትርከብ ኮይና ካብ 2015 ንድሓር ዝኾነ ጽገና ኣይተገብረላን።

ካብታ መርከብ ዝልሑኽ ነዳዲ፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንዓሳን ካልእ ሃብቲ ባሕሪን ኣብ ልዕሊ ምጉድኡ በቲ መስመር ንዝሓልፋ መራኽብ ንግዲ`ውን ከተዓናቕፍ ከምዝኽእል ሰበ-ስልጣን ከባቢያዊ ተፈጥሮ ሻቕሎቶም ክገልጹ ጸኒሖም`ዮም።