ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቃለ መጠይቕ ምስ ተመራማሪ ስነ-ህይወት ባሕሪ ኣብ ጉዳይ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ተዓሺጋ ንነዊሕ ዓመታት ደው ዝበለት መርከብ


ዶክተር መብራህቱ ኣተወብርሃን
ዶክተር መብራህቱ ኣተወብርሃን

ኤፍ.ስ.ኦ ሴፈር (FSO Safer) ዝተባህለት ኣብ የመን ተዓሺጋ ዘላ መርከብ ነዳዲ፡ ካብ እትብላሾ ነዊሕ ዓመታት ደኣ ተቝጽር እምበር፡ ተሰኪማቶ ዘላ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን በርሚል ነዳዲ ናብ ባሕሪ ምስ ዝፈስስ ግን ህይወት ልዕሊ 8 ሚልዮን ሰባት ኣብ ሓደጋ ዘእቱ’ዩ። ካብ በበይኑ ሃገራት ዝተዋጽኡ ተመራመርቲ ንሓደገኝነት ምፍሳስ ነዳዲ እታ መርከብ ኣመልኪቶም ድሕሪ ዝዘርግሑዎ ውጽኢት መጽናዕቲ ከም ብሓድሽ ኣቓልቦ ማዕከናት ዜና ዓለም ስሒቡ ኣሎ።

ኤፍ.ስ.ኦ ሴፈር (FSO Safer)
ኤፍ.ስ.ኦ ሴፈር (FSO Safer)

ነዚ ዘንጸላሉ ዘሎ ሓደጋ ኣመልኪትና ንዶክተር መብራህቱ ኣተወብርሃን ኣዘራሪብናዮ ኣሎና። ዶክተር መብራህቱ ኣቐዲሙ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ መምህር ኣብ ክፍሊ ስነ-ህይወት ባሕሪ ዝነበረ ኰይኑ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ተመሳሳሊ ዓውዲ ከም ኣማኻሪን ተመራማሪን ኰይኑ ይሰርሕ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::


XS
SM
MD
LG