ሓጸርቲ ዜናታት ስፖርት

Your browser doesn’t support HTML5

ሓጸርቲ ዜናታት ስፖርት

ተሰላፋይ ቼልሲን ሃገራዊት ጋንታ ኢንግላንድን ራሒም ስተርሊንግ "ዕጡቃት ጓሓሉ፣ ናብ’ቲ ኣብ ለንደን ዝርከብ መንበሪኡ አትዮም" ዝብል ሓበሬታ ምስ በጽሖ፣ ካብ’ታ ጽዋዕ ዓለም ይሳለጠላ ዘሎ ቐጠር ንግጥማት አቋሪጹ ተመሊሱ።

ፖሊስ ለንደን ብወገኑ "መንበሪ ስተርሊንግ ብጉሓላሉ ተደፊሩ እዩ፣ ኣብ’ቲ እዋን ሰብ ኣብ’ቲ ገዛ ኣይነበረን። ወርቂን ሰዓትን ተሰሪቆም እዮም" ዝብል ሪፖርት ሂቡ አሎ። መርመራታት ይቅጽል ከምዘሎ፣ ዛጊት ዝተታሓዘ ጥርጡር ከምዘየለ ውን ወሲኾም ሓቢሮም።