ኢትዮጵያ ብመግቢ ርእሳ ክትክእልን ንዓለም ክተግርምን’ያ ይብል USAID

USAID ትካል ተራድኦ ኣሜሪካ ጨንፈር ኢትዮጵያ፣ ኣብ’ዘን ዝሓለፋ 5 ዓመታት ንልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሓረስቶት ዝተፈላለየ ኣገልግሎት ከምዝለገሰን ኣስታት 6 ሽሕ ሰባት’ውን ቀዋሚ ዕድል ስራሕ ከምዝኸፈተን ሓቢሩ።

ሓላፊ USAID ጨንፈር ኢትዮጵያ ዴኒስ ዌዘር ‘ኢትዮጵያ ኣብ’ዘን ዝቕፅላ 5 ዓመታት፣ ጠለባት መግቢ ሙሉእ ንሙሉእ እናማለአት፣ ብሕርሻዊ ውፅኢታ ንዓለም ክተስደምም’ያ’ ኢሎም።

መርሃ ግብሪ ንግዲ ሕርሻን ዕዳጋን ኣብ ኢትዮጵያ፣ ፊድ ዘፊውቸር (ቀለብ ንፅባሕ)፣ ፕረዚደንት በራክ ኦባማ ናይ ዝተገበርዎ ፕሮግራም ቀንዲ ክፋሉ ምኻኑ ይፍለጥ።

Your browser doesn’t support HTML5

ሙሉእ ዜና