ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ ኣብ’ዘን ዝቅጽላ 5 ዓመታት ትሓፍሶ ሕርሻዊ ማእቶት


ዘባናዊ ሕርሻ ኣብ ኢትዮጵያ
ዘባናዊ ሕርሻ ኣብ ኢትዮጵያ

‘እዘን ዝቅፅላ 5 ዓመታት፣ ኢትዮጵያ ብመግቢ ርእሳ ትኽእለሉ ዘመን ጥራሕ ዘይኮነስ ብፅርየት ሕርሻዊ ፍርያታ ንዓለም ተስደምመሉ ዘመን ከምዝኾን’ በዓል ስልጣን ተራድኦ ትካል ስግር ባሕሪ ኣሜሪካ ኣፍሊጦም።

ሓላፊ ትካል ረድኤት ኣሜሪካ (USAID) ጨንፈር ኢትዮጵያ ዴኒስ ዌዘር ‘ዛጊት ዝተሰርሑ መደባት መጀመርታ’ምበር መወዳእታ ኣይኮኑን፣ ነዊሕ ጉዕዞ’ዃ እንተተረፈና፣ እዘን ዝቅፅላ 5 ዓመታት፣ ኢትዮጵያ ናብ’ቲ ትምነዮን ብመግቢ ርእሳ ክትክእልን ንዓለም ክተስደምምን’ያ ዝብል ልባዊ እምነት ኣለኒ’ ኢሎም።

ኣብ’ቲ ትካል ሓላፊ ሕርሻዊ ንግዲ ቫለንስያ ኣዳምስ ብወገኖም ‘USAID ንምዕዋት’ቲ መርሃ-ግብሪ ሕርሻ ኣብ ኢትዮጵያ 50 ሚልዮን ዶላር ሰሊዕና ኢና፣ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣዎንታዊ ውፅኢት’ቲ መደብ ንዝክር ኣለና’ ኢሎም።

USAID ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራ፣ ኦሮምያን ህዝቢታት ደቡብን ኣብ 260 ሽሕ ሄክታር መርየት ንሓረስቶት ትምህርቲን ስልጠናን ከምዝሃበ ኣፍሊጡ።

XS
SM
MD
LG