12 ሰነተራት ኣሜሪካ ኩሎም ኣባላት ዲሞክራቲክ ፓርቲ ኣብ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰል ይረጋገጽ ኩሉ ሓቆፍ መንግስቲ ይሃሉ ዘርእስቱ ረቂቅ ኣውጺኦም።
ዋሽንግተን —
እቲ ረቂቅ ሚኒስትር ወጻኢ ኣሜሪካ ምስ ኢትዮጵያ ዘሎ ጸጥታዊ ውዕል ብመንጽር'ቲ ሓይልታት ጸጥታ ንሰላማዊያን ሰባት ቀቲሎም ዝብል ሓበሬታ ክግምግም ይጽውዕ።
.@MarcoRubio, Colleagues Condemn #Ethiopia’s Crackdown On Civil Society https://t.co/k8vRfrj4eT
— Senator Rubio Press (@SenRubioPress) April 20, 2016
መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝወሰዶ ዝበልዎ ከቢድ ስጉምቲ ኣንጻር ጋዜጠኛታት ናይ 2009 ዓ.ም ሕጊ ጸረ ግብረ-ሽበራን ሕጊ ዘይመንግስታዊ ትካላትን ንመሰል ሓሳብካ ምግላጽን ሕጋዊ ፖለቲካዊ ተቃውሞን ዝጻባእ ንዲሞክራሲያዊን ሰብኣዊ መሰላትን ዝቃረን'ዩ ይብሉ ሰነተር ካርዲን።
እቲ ረቂቅ ሕጊ መዓስ ብሰኔት ኣሜriካ ከምዝዝረበሉ ንጹር ኣይኮነn።ሴኔት ኣሜሪካ እንተሕሊፍዎ ብፕረዝደንት ባራክ ኦባማ ተፈሪሙ ሕጊ ኮይኑ ከምዝጸድቅ ይፍለጥ።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
Your browser doesn’t support HTML5