ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰላማዊ ሰልፊ ነበርቲ ኣሜሪካ ዝኾኑ ኣባላት ማህበረሰብ ኦሮሞን ካልኦት ኢትዮጵያዊያንን ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ


ስነ-ስርዓት ጋዜጣዊ መብርሂ
ስነ-ስርዓት ጋዜጣዊ መብርሂ

ካብ ዝተፈላለዩ ክፍላተ-ግዝኣታት ኣሜሪካ ዝተኣኻኸቡ ተወላዶ ማሕበረሰብ ኦሮሞን ካልኦት ኢትዮጵያዊያንን ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ከባቢ ዋይት ሃውስን ካፒቶል ሂልን ሰላማዊ ሰልፊ ብምክያድ ኣብቲ ክልል ኣሎ ዝበልዎ ኩነታት ኣቃሊሖም።

እቲ ሰልፊ ዝተኻየደ ድሕሪ ጋዜጣዊ መብርሂ’ዩ። ኣብቲ ስነ-ስርዓት ጋዜጣዊ መብርሂ ብዛዕባ’ቲ ኣብቲ ክልል ዘሎ ኩነታት ኣባላት ባይቶ ኣሜሪካ ኣብ ዝተረኽብሉ መብርሂ ተዋሂቡ’ዩ።

እቶም ተሳተፍቲ ካብቲ ስነ-ስርዓት መብርሂ ዝተወሃበ ህንጻ ባይቶ መወሰኒ ሕጊ ኣሜሪካ ናብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዘምርሕሉ እዋን ገለ ካብ ዘቃልሕዎ ጭርሖታት ‘ፕረዝደንት ኦባማ ንሰብኣዊ መሰላት ደው በሉ፡ ፕረዝደንት ኦባማ ኣብ ጎኑ ህዝቢ ደው በሉ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዲሞክራሲ የለን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ፍትሒ የለን ዝብሉን ካልኦት ይርኸብዎም።’

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG